August 26, 2012

ብኹሉ መዳያቱ ፍልጠት ዝዓጠቐ ዜጋ ንምፍራይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፣ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎ ነጋድያን ፈስቲቫል ገሊጾም።

ብኹሉ መዳያቱ ፍልጠት ዝዓጠቐ ዜጋ ንምፍራይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፣ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎ ነጋድያን ፈስቲቫል ገሊጾም።

ብኹሉ መዳያቱ ፍልጠት ዝዓጠቐን መሃዝን ዜጋ ንምፍራይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፣ ድሙቕ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ጐሊሑ ይርአ ከምዘሎ፣ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ንዝተዳለወ ቍሸት ትምህርቲን ኣብኡ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶን ዝተዓዘቡ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዞባ ማእከል 2012 ገሊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብ’ቲ ቍሸት ቀሪቡ ዘሎ ንዕቑር ዓቕሚ ተማሃሮና ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዘሐብን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ብቑዓት መንእሰያት ንምፍራይ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ወፍሪን ንኢዶም።

መምህር ኣማኑኤል ገብረንጉስን መንእሰይ ሕድሪ ተኽለብርሃንን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ እቲ ትሕዝቶ ብሓፈሻ ምርምራውን ፈጠራውን ፍርያት ተማሃሮ ድማ ብፍላይ መሳጢን ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዝእምትን ምዃኑ ብምሕባር፣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ምትሕብባርን ምትብባዕን ዝምልከቶም ኣካላት ከይፍለዮም ብምልባው፣ ሓደስቲ ወለዶታት ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎም ኣሰሮም ክኽተሉ ጸዊዖም።

ኣቶ ሰለሙን ገብረሚካኤል ብግደኡ፣ ፈስቲቫል ንመንእሰያት ብሓፈሻ ንተማሃሮ ድማ ብፍላይ ዕቑር ዓቕምታቶም ንኸጒልሑን ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንኸብጽሑን ዘለዎ ኣበርክቶ ልዑል ምዃኑ ብምግንዛብ፣ እቶም ተማሃሮ ኣብ መጻኢ’ውን ንሃገሮም ብቴክኖሎጂን ካልእ መዳያትን ንምምዕባል ኣበርክቶኦም ብተዓጻጻፊ ከምዘዕብዩ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣነጺሩ።

ሓላፊት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ሓሊማ መሓመድ ድማ፣ ኣብ ቍሸት ትምህርቲ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ቤት-ትምህርቲ ቴክኒክ ኣስመራ፣ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ማይ-ነፍሒን ካልኦት ናይ ሞያ ኣብያተ-ትምህርቲን ዝሓቘፈ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ንመሃዝነት ተማሃሮ ምትብባዕን ገስጋስ ስርዓተ-ትምህርቲ ዞባ ንምልላይን ከምዝኾነ ገሊጻ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Independence Day celebrations

Workshop on Preserving Ancient Manuscripts

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...