January 31, 2013

ብኣገባብ ኣመሃህራ ብቋንቋ ዓረብ ዝሰልጠኑ ኣሰልጠንቲ ተመሪቖም።

ብኣገባብ ኣመሃህራ
ብቋንቋ ዓረብ ዝሰልጠኑ
ኣሰልጠንቲ ተመሪቖም።

ብኣገባብ ኣመሃህራ  ብቋንቋ  ዓረብ ዝሰልጠኑ  ኣሰልጠንቲ ተመሪቖም።ካብ ኩለን ዞባታትን ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝተዋጽኡ 42 መምህራን፣ ብኣገባብ ኣመሃህራ ብቋንቋ ዓረብ ሰልጢኖም። እቲ ኣብ ምድላው መምህራን ኣስመራ ዝተዋህበ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና፣ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ዓረብ፣ ኣገባብ ኣመሃህራ ቋንቋ ዓረብ ንጀመርቲ፣ ከምኡ’ውን ትምህርታዊ ስነ-ፍልጠት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ዓውድታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ብሱዳናውያን ክኢላታት’ዩ ተዋሂቡ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስልጠና ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ትምህርቲ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ 2012 ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ሪፓብሊክ ሱዳንን ዝተበጽሐ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ሰልጠንቲ ቀሲሞምዎ ንዘለው ትምህርቲ ናብ ካልኦት ኣብ ምስግጋር ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሚኒስትሪ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ሪፓብሊክ ሱዳን ሚስተር ተውፊቕ መሓመድ ዳሃብ ብወገኑ፣ ምምዕባል ቋንቋ ዓረብ ሓደ ካብ’ቲ ዝተኸተመ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ምዃኑ ብምሕባር፣ ናይ ራብዓይን ሓምሻይን ክፍሊ መምሃሪ መጽሓፍቲ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ወርሒ ክመጽእ ትጽቢት ከምዘሎ፤ እቲ ምትሕግጋዝ ድማ ኣብ ካልእ ዓውድታት’ውን ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ስልጠና ካብ ዝሃቡ ክኢላታት ዶክተር ዮሱፍ መሓመድ ፈታሕ፣ እዚ መጀመሪ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ብምምልካት፣ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብውልቃዊ ጻዕሪ ከማዕብልዎን ንኻልኦት ክምህሩሉን ተላብዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ድማ፣ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ትምህርቲ ንዝጸንሐ ሕጽረታት መምህራን ቋንቋ ዓረብ ብምምላእ፣ መንግስቲ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ከካይዶ ንዝጸንሐ ጻዕሪ ግብራውነት ከልብስ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa