March 20, 2013

ብምኽንያት ጽንብል ምድምሳስ ናደው ዝቐረበ ቍሸት ምምሕዳራት ከባቢ፣ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብና ኣብ ምውርራስ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር፣ ተሳተፍቲ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ብምኽንያት ጽንብል ምድምሳስ ናደው ዝቐረበ ቍሸት ምምሕዳራት
ከባቢ፣ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብና ኣብ ምውርራስ ዓቢ
ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር፣ ተሳተፍቲ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ብምኽንያት ጽንብል ምድምሳስ ናደው ዝቐረበ ቍሸት ምምሕዳራት ከባቢ፣ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብና ኣብ ምውርራስ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር፣ ተሳተፍቲ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ብምኽንያት ጽንብል ዝኽሪ ርብዒ ዘመን ምድምሳስ ናደው እዝን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን ዝቐረበ ቍሸት ምምሕዳራት ከባቢ፣ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብና ናብ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምስግጋር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር፣ ተሳተፍቲ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

እቶም ነጋድያን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ዝካየድ ሃገራዊ ጽንብላት ብሓፈሻ፣ እናሃሰሰ ንዝኸይድ ዝነበረ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዅላዕ ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፣ “ባህልናን ታሪኽናን ብግቡእ ምፍላጥን ምዕቃብን፣ ኣብ ምድልዳል ሓድነትናን ሃገራውነትናን ደራኺ ኣበርክቶ ስለዘለዎ ክድፍኣሉ ኣዘኻኺሮም።

ወይዘሮ ሳዕድያ እድሪስ፣ ኣቶ መሓመድ-ኑር መሓመድን ኣቶ ዓብደላ መሓመድ ስዒድን፣ ብሰንኪ ተኸታታሊ መግዛእትታት ባህልናን መንነትናን ንነዊሕ ዓመታት ተጸቒጡ ምንባሩ ብምሕባር፣ ድሕሪ ናጽነት መላእ ኤርትራ ግን ህዝቢ ባህሉን ልምዱን በርቢሩን ዓቂቡን ናብ ወለዶታት ንምስግጋር ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

መንእሰያት ዑመር መሓመድን ኣምና ፍጉራይን ብግደኦም፣ መንእሰይ ወለዶ ማዕረ-ማዕረ ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ምዕባለን ቴክኖሎጅን፣ ድሙቓት ክብርታት ሕብረተሰቡ ብግቡእ ንምፍላጥን ንምዕቃብን ኣብ ሓያል ስራሕ ተጸሚዱ ከምዝርከብ ብምሕባር፣ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ካብኣቶም ዝሕተት ንምምላእ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም።

***** ኣ.ዜ.ኤ.*****

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...