June 26, 2011

ብሓደጋ ምንቅጥቃጥን እሳተ-ጐመራን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምእላይን ንምጥያስን ዕቱብ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪን እሳተ-ጐመራን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምርዳእን ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ንምጥያሶምን ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ገሊጹ።

ብዝተኸስተ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ደቡብን ማእከልን ደንካልያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ኣቶ ዓሊ፣ ስሩዕ ህይወቶም ንኽመርሑ መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ውን ካብ ጐኖም ከይተፈለየ ዘድሊ ሓገዛት ከበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ዓሊ ኑር ዓሊ ብወገኑ፣ መንግስቲ ንዜጋታቱ ካብ’ቲ ቦታ ሓደጋ ንምእላይን ህጹጽ ረድኤት ንምሃብን ንዝወሰዶ ቅልጡፍ ተበግሶ ብምምስጋን፣ ናብራ ተመዛበልቲ ኣብ ንቡር ንምምላስ ብዝለዓለ ከምዝስራሕ ኣብሪሁ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ሲረሩ ኣቶ መሓመድ ሓበናን ነባሪ ሲረሩ ኣቶ ቡር ኣሕመድን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ሳላ ውህደት ህዝቢን መንግስትን ቅልጡፍ ረድኤት ከምእተገብረሎም ብምግላጽ፣ ኣብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዎም ሓቢሮም።

“ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመና፣ ብስንባደ ተበታቲንና” ዝበላ ወይዘሮ ከድጃ ሑመድን ወይዘሮ ሓንደያ መሓመድን ብወገነን፣ ብውህደት ህዝቢ፣ ምምሕዳርን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ግን ናብ ውሑስ ቦታ ክበጽሑን ቅልጡፍ ናብዮት ክረኽቡን ከምዝኸኣሉ ኣረዲአን።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ዓሊ መሓመድ ኣብ መወዳእታ፣ ንስድራቤት ናይቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ዜጋታት “ጽንዓት ይሃብኩም” ድሕሪ ምባል፣ ኩነታት’ቲ ሓደጋ ብግቡእ ተጸኒዑ ቅድመ-ጥንቃቐ ንምግባር ምእንቲ ክከኣል፣ ክኢላታት መጽናዕትታቶም ከዛይዱን ከሐይሉን ጸዊዑ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...