May 30, 2011

ቤት-ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ፣ ኣብ ምርግጋጽ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ልዑል ተራ ከምእተጻወተት ተገሊጹ።

ቤት-ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ፣ ኣብ ምርግጋጽ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ልዑል ተራ ከምእተጻወተት ተገሊጹ።

ቤት-ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ብቊዓት ሞያውያን ብምፍራይ፣ ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ጥዕና ልዑል ተራ ከምእተጻወተት፣ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ተስፋይ ዋህድ ንኤሪና ሓቢሩ።

መምህር ተስፋይ ኣብ ሓበሬታኡ፣ ቤት-ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት መንግስቲ ምዕሩይ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽ ብዘካየዶ ጻዕሪን ወፍሪን፣ ልዕሊ 4 ሽሕን 200 ነርሳት ብዲፕሎማ ከተመርቕ እንከላ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ድማ 100 ተማሃሮ ከተመርቕ ምዃና ኣብሪሁ።

“95 ሚእታዊት ናይ’ቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ብነርስ’ዩ ዝዕመም” ዝበለ መምህር ተስፋይ፣ ኣብ 1998ን 2005ን ኣብ ካሪክለም ብዝተገብረ ክለሳ፣ ነፍሲ-ወከፍ ነርስ ብዓውድታት ኮማዊ ነርስ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነርስ፣ መወልዳን ነርስን ብናይ ውሽጢ ሆስፒታል ነርስን ብምስልጣኑ፣ ንሕቶታት ህዝቢ ብዝግባእ ኣብ ምምላስ ይዋስኡ ከምዘለው ኣረዲኡ።

ብቚዓት ነርሳት ንምፍራይ፣ ዓቕሚ መምህራን ክብ ንምባል ብዝተኻየደ ሓያል ስራሕ፣ 75 ሚእታዊት መምህራን ናብ ቀዳማይ ዲግሪ፣ 25 ሚእታዊት ድማ ናብ ማስተርስ ከምእተሰጋገሩ ድማ መምህር ተስፋይ ኣፍሊጡ።

ካብ ሓፈሻዊ ቊጽሪ ነርሳት ሚኒስትሪ ጥዕና እቲ 54 ሚእታዊት ድሕሪ ናጽነት ከምዝፈረየ ዝሓበረ መምህር ተስፋይ፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ጊንዳዕ፣ መንደፈራን ባረንቱን ዓመታዊ ካብ 100 ክሳብ 300 ሞያውያን ብደረጃ ሰርተፊኬት እናፍረያ፣ ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ኣነጺሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ.******

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway