October 24, 2012

ባህሊ ሰላም ኣብ ኤርትራ ኣብ መዓምቝ ክብርታት ስድራቤታት ዝተሰረተ ምዃኑ፣ ፕረዚደንት ሃ.ማ.ደ.ኤ ገሊጻ።

ባህሊ ሰላም ኣብ ኤርትራ ኣብ መዓምቝ ክብርታት ስድራቤታት ዝተሰረተ ምዃኑ፣
ፕረዚደንት ሃ.ማ.ደ.ኤ ገሊጻ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባህሊ ሰላምን ምንብባርን፣ ኣብ መዓሙቕ ክብርታትን ንቕሓትን ስድራቤታት ዝተሰረተን ካብ ጥንቲ እናማዕበለን እናደመቐን ዝመጸን ዝቕጽልን ከምዝኾነ፣ ፕረዚደንት ሃ.ማ.ደ.ኤ ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ ኣብ ገሊጻ።

ወይዘሮ ልኡል ነዚ ዝገለጸት፣ ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኢዲንበርግ – ስኮትላንድ ኣብ ዝተኻየደ “ኣህጉራዊ ዋዕላ ህንጸትን ምዕቃብን ሰላም” ተሳቲፋ፣ ንተመኵሮ ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ምንብባርን ኣብ ዘቕረበቶ ወረቐት’ዩ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ኣብ መግለጺኣ፣ ባህሊ ሰላም ኣብ ኤርትራ ዘመናት ዘቝጸረ ምዃኑ፤ እዚ ድማ ካብቲ ምዕቡልን ሰላማውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዘለዎ ጽኑዕ ድሌት ዝነቅል ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ንሰብ ጉዳይ ምዕሩይ ዕድላት ብምሃብን ብምስታፍን ዝካየድ ጸኒሕ ያታዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ሽግራት፣ ናብ ዘላቒ ስኒትን ሰላምን ዘብጽሕ ዝበለጸን ዝቐለለን ተመራጺ ኣገባብ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ፈለማ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ዝተፈጸመ ጥምረት ኣርባዕ ዓድታት ከባቢታት ኣስመራን ምቛም ናይ ሎሚ ኣስመራን ንመሪሕ ተራ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ምስፋን ሰላምን ምንብባርን ዘነጽር ኣብነት ከምዝኾነ ዝገለጸት ፕረዚደንት ሃማደኤ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ብዝገበርኦ ግብራዊ ተሳትፎ፣ ንዝጸንሐ ድሑር ኣርኣእያ ኣብ ምልዋጥ’ውን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ኣረዲኣ።

ኣብ መወዳእታ ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፣ ንሕቶታት ተሳተፍቲ ብምምላሽ፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሰላም ኣብ ምውሓስ ንዘካይድዎ ንጥፈታት ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጻ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...