March 18, 2014

ቅድሚ 30 ዓመታት ከቢድ ቃልሲ ዘካየዱ ተጋደልቲ ክነግዱ ምምጽኦም ሓበን ከምዝስምዖም ነበርቲ እማህሚመ ገሊጾም፣

ቅድሚ 30 ዓመታት ከቢድ ቃልሲ ዘካየዱ ተጋደልቲ ክነግዱ ምምጽኦም ሓበን ከምዝስምዖም ነበርቲ እማህሚመ ገሊጾም፣

ቅድሚ 30 ዓመታት ከቢድ ቃልሲ ዘካየዱ ተጋደልቲ ክነግዱ ምምጽኦም ሓበን ከምዝስምዖም ነበርቲ እማህሚመ ገሊጾም፣ቅድሚ 30 ዓመታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓራ ንምውጻእ ከቢድ ቃልሲ ዘካየዱ ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናብቲ ጽንኩር ኩነታት ሰጊሮም በሪ ራህዋ ዘጓነጸፍዎ ቦታታት፡ ዝኽሮም ንምሕዳስን ናብ ተረከብቲ ወለዶታት ታሪኾም ንምስግጋርን ኣብቲ ጽንብል ክሳተፉ ምምጻኦም ሓበን ከምዝስምዖም ነበርቲ እማህሚመ ገሊጾም፣

ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ምስቶም ነቲ ሰረት ህላወ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምድልዳል ኣብ’ቲ ከባቢ ዓስኪሩ ዝነበረ ብውቃው እዝ ዝፍለጥ ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሶም ሓርነት’ቲ ከባቢ ብምርግጋጽ መስተርሆ ዝፈጠርሎም ምዑታት ተጋደልቲ ሓቢሮም ክጽንብልዎ ከለዉ ፍሉይ ደስታን ጦብላሕታን ከምዘሕድረሎም ወሲኾም ኣብሪሆም፣

ካብ ኮሚተ ምውህሃድ ናይቲ በዓል መንእሰይ ኣሕመድ መሓምድ ዓሊ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡፡ ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”ን ምፍራስ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ንምጽንባል ቅድሚ 3 ሰሙን ኣትሒዙ ልዑል ምድላዋት ክግበረሉ ከምዝጸንሐ ብምብራህ፡ ኣብቲ ጽንብል ክሳተፉ ንዝመጹ ንምእንጋድ ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ድሉዋት ምህላዎም ሓቢሩ፣

ኣማሓዳሪ ሓውሲ ከተማ እማህሚመ ኣቶ ሳልሕ ሙሳን ነባሪ እማህሚመ ኣቶ ሳልም ሰሊምን ብወገኖም፡፡ ብህዝቢን ምምሕዳር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ተጻፊፉ ኣጋይሾም ብዝግባእ ንምእንጋድ ቅሩባት ምህላዎም ኣነጺሮም፣

ጽምብል ምድምሳስ ውቃው እዝ “ ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም መግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 21ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ሓውሲ ከተማ እማህሚመ ክበዓል ምዃኑ ይፍለጥ፣

*** ኣ.ዜ.ኤ. ***

Enigmatic Eritrea: Engagement, Investment &...

High Level Achievements in the Annual Health...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of...