February 12, 2014

ቅነ ስፖርት ተማሃሮ ኤርትራ 2013-14 ብድምቀት ተዛዚሙ

ቅነ ስፖርት ተማሃሮ ኤርትራ 2013-14
ብድምቀት ተዛዚሙ

ቅነ ስፖርት ተማሃሮ ኤርትራ 2013-14 ብድምቀት ተዛዚሙ

ብድራር ፍሰሃየ
ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተወደበ ቅነ ስፖርት ተማሃሮ ኤርትራ ዓመተ 2013-14 ካብ 2 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳታት ስፖርት ከተማ ኣስመራ ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ ብቀዳም 8 ለካቲት 2014 ብውዕዉዕ ስነ-ስርዓት ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፣ ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ፣ ሚኒስተር ቱሪዝም ወ/ሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፣ ኮሚሽነር ስፖርት ሜጀር-ጀነራል ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ፣ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ሃገራውያን ፈደረሽናት፣ ወለዲን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተማሮን ዝተረኽብሉ ናይ መኽፈቲን መዛዘሚን ኣጋጣሚ ንተዓዘብቲ ዕዱማት ኣጋይሽን ዝመሰጠ ምርኢት ተማሃሮ፣ ድራማን ዝተፈላለዩ መደባትን ቀሪቡ።

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ብውዕዉዕ ተሳታፍነት ተማሃሮ ደሚቑ ዝቐነየ ቅነ ስፖርት ተማሃሮ ዳይረክተር ቤ/ጽ. ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ መሓሪ መንግስትኣብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ ብውህደት ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ዝተኻየደ ቅነ-ስፖርት ተማሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንዘሎ ዕቑር ዓቕሚ ተካእቲ ስፖርታውያን ንምልላይ ከምኡ’ውን ብትምህርቲን ስፖርትን ዝደልደል ዜጋ ንምህናጽ ከምዝሓገዘ ብምብራህ ንመጻኢ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ብዝለዓለ ውዳቤ ከምዝስረሓሉ ገሊጹ። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ዕለት ድማ ብሓፈሻዊ ውጽኢት ውድድራት ኩዕሶ ሰኪዔት፣ ኩዕሶ መርበብ፣ ኣትሌቲክስን ኩዕሶ እግሪን ዝተዓወታ ጋንታታት ዝተዳለወለን ናይ ሜዳልያ፣ ዋንጫን ናውቲ ስፖርትን ሽልማታት ካብ ኢድ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲን ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢሎም።

ቅነ ስፖርት ተማሃሮ ኤርትራ 2013-14 ብድምቀት ተዛዚሙ

ኣብዚ ንሰሙን መመላእታ ንተማሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ሽዱሽተ ዞባታትን ማእከል ሞያዊ ስልጠናን ሓቑፉ ክካየድ ዝቐነየ መሳጢ ውድድራት ዞባ ማእከል ኣብ ኩሉ ዓይነታት ስፖርት ብዘራኣየቶ ጸብለልታ ጎብለል ናይቲ ሃገራዊ ውድድር ብምዃን ዘዋሪት ዋንጫ ዓቲራ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...