June 21, 2013

ቃል ፕረዚደንት

ቃል ፕረዚደንት

ቃል ፕረዚደንት

ሰላምታን ክብርን ነቶም ንህላወ ሓራን ሉኣላዊትን ሃገር ሂወቶም በጅዮም ክውን ዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታት።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብቕንያቱ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት ኣማዕሪጉ ንዝኽርን ክብርን ሰማእታቱ ዝወደቦ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ጉዕዞ፡ ምብራህ ጥዋፍ፡ ብዜና ዝፍኖ ረዚን ትርጉምን መልእኽታትን ዝሓቖፈ መደባት፡ ገላጺ ዘይደሊ መግለጺ እዩ’ሞ፡ ስለ’ቲ እናሓደሰ ዝሕይልን ዘሐይልን መብጽዓ ምስጋና።

ኣብ’ዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ሓቢሮምና ክሳተፉ፡ ኣብ መንጎና ንዝርከቡ ኣዕሩኽትና ሩዋንዳውያን “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” እናበልኩ፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ህልቂት ሰጊሩ፡ ሃገሩ ዝሃንጽ ዘሎ ህዝቢ ሩዋንዳ ሰናይ ምንዮት። ከም’ቲ ኣብ መኸተ ኣንጻር በደልቲ ዘርኣናዮ ኣብነታዊ ምሕዝነት፡ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ህንጸት’ውን፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ መብጽዓ ከም ዘለዉ ደጊመ አረጋግጽ።

ሰማእታትና ኣብ ልዕሊ’ቲ ክቡር ሂወቶም ሰዊኦም ክውን ዝገበሩዎ ብጹእ ዕላማ፡ ብኣብነታውነቶም ዘውረሱና ኒሕን ጽንዓትን ዉፉይነትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህንጸት ሃገር ክሳብ ክንደይ ብድሆታት መኪትና፡ ዘድምዑ ልምዓታዊ መደባትና ከነሰላስል ከምዘኽኣለና ዝዝንጋዕ ኣይኰነን።

ዘይከኣል የለን፡ ዘይጽወር የለን፡ ዘይሕለፍ የለን ክንብል እንደፍር፡ ሰማእታትና ዘይከኣል ዝመስል ስለ ዝኸኣሉ፡ ዘይጽወር ዝመስል ስለ ዝጸወሩ፡ ዘይሕለፍ ዝመስል ሰጊሮም ብተጨባጢ ኣብነት ስለ ዝመሃሩና’ዩ።

ሰማእታትና ብኣማን ከነኽብር፡ ኪኖ ዝኽሮም ምምዕራግ፡ ነታ ብረሃጾምን ደሞምን ዘርወይዋ መሬት ከነልምዕን ክንሃንጽን ካብ’ቲ ኣብ’ተን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ብግብሪ ዘመስከርናዮ፡ ዝሓየለ ኒሕን ጽንዓትን ውፉይነትን ሰሪሕናን ኣፍሪናን ንሰማእታትና ኣገናዕ ንበል።

ጀጋኑ ሰማእታትና ይተሓበኑ!
ዓወት ንሓፋሽ

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...