March 8, 2013

ቃል ሃማደኤ – ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ

ቃል ሃማደኤ
ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ

ቃል ሃማደኤ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት  ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ “ዕዙዝ ሱታፌ
ደቀንስትዮ ኣብ ወፍሪ ደራኺ ሃገራዊ ልምዓት!” ኣብ ትሕቲ
ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ከም ወትሩ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ትውዕል ኣላ።
ናይ ሎም ዘበን 8 መጋቢት፡ ንምድኻምና ዝተፋሕሱ ሕብረ-
ብዙሕ እልሞታት፡ ብልዑል ሃገራዊ ንቕሓት መኸተን ኣፍሺልና፡
ኣብ ጎደና ልምዓት ዓቢ ገስጋስ ብምምዝጋብ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ
ኣብ እንሰጋገረሉ መድረኽ እያ ትበዓል ዘላ። በዚ መሰረት፡ ናይዚ
ሓድሽ ምዕራፍ መድረኻዊ ተልእኾናን ወፍርናን፡ “ምርግጋጽ
ዝበረኸ ጥሙር ቁጠባዊ ዕብየት” ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ
ዝሓለፈ መድረኻት ትኣምር ዝሰርሕ ልሉይ ተራ ኤርትራዊት
ጓለንስተይቲ እምበኣር፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ምዕዋት’ዚ
ሃገራዊ ወፍሪ፡ ግደኡ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ
እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኮነ፡ ኣብ ዕማም ህንጸት ሃገር፡ ሱታፌ ደቀንስትዮ፡ ዋሕስ ሃገራዊ ድሕነትን ምዕባለን ምዃኑ ብግብሪን
ብተደጋጋሚን ተመስኪሩ እዩ። ምርግጋጽ ምዕሩይ ሱታፌ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምውሓስ ምዕሩይ
ዕድላትን ረብሓታትን ንኹሉ ዜጋ፡ ኣብ ህንጸት ስልጡን ሃገርን
ሕብረተሰብን ዓቢይ ድርኺት ዝፈጥር ረቛሒ እዩ። ምዕሩይነት
ግድነታዊ ቅድመ -ኩነት ናይ ስልጣነ’ዩ እንተተባህለ እውን
ምግናን ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ፡
ሕቶ ናይተን ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ እዩ።
ምርግጋጽ ምዕሩይ ዕድላትን ሱታፌን ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ
መዳያት ህይወት እምበኣር፡ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ጥራይ ኣይኮነን።
ወሳኒ ረቛሒ ንሃገራዊን ሕብረተሰብኣዊን ምዕባለ ምዃኑ፡ ኩሉ
ኣባል ሕብረተሰብ ክግንዘቦ ይግባእ። ምኽንያቱ ብፍርቂ ሓይሉ
መንኰርኰር ምዕባለ ክደፍእ ዝህቅን ሕብረተሰብ፡ ጉዕዞኡ እምብዛ
ዘገምታዊ እዩ።
ሃገራዊ ርእይና፡ ኤርትራ ዜጋታታ ብዘይኣፈላላይ ጾታን
ካልእ ማሕበራዊ ቦታን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበራዊ ፍትሒ
ብጥምረት ዝነጥፉላን ብማዕረ ዝረብሑላን ሃገር ምፍጣር እዩ።
ኣብዚ ሸቶ’ዚ ንምብጻሕ ከኣ፡ እቲ ብነዊሕ ቃልሲ ዝተዀስኰሰ
ንቕሓትን ስልጡን ኣመላኻኽታን ብምዕቃብ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት
ማዕረ ዕድላት ብምርሓው፡ ሞያን ዓቕሚን ጸጋታትን ደቀንስትዮ
ዝዓብየሉ መደባት ብምትግባር፡ መላእ ዓቕሚ ሕብረተሰብና
ኣብ ወፍሪ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሰሊፍና፡ ኣድማዕነትና ከም ሃገርን
ሕብረተሰብን ብተዓጻጻፊ ክብ ከነብሎ የድሊ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት
ዕድመ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ
ዓወት ንሓፋሽ

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...

National Association of Public Health Founding...