February 21, 2021

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቀዳማይ ክፋል፥ ዞባዊ ጉዳያት

 ሙሉእ ቅዳሕ (Full Transcript)

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብረቡዕ 17 ለካቲት 2021 ብሬድዮን ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ዝርዝር ትሕዝቶኡ ይስዕብ፦

  • ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብጃንዳ ወያነ ዝተወስደ ሰፊሕን ኣዳህላሊን መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ግጭትን ምእላይ ናይቲ ጃንዳን ኣስዒቡ ኣሎ። እዚ ኩነታት እዚ ኣመቱ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ጽልዋኡ ብደረጃ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ መስርሕ ሰላምን ዝምድናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ይግምገም?

= ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዕረያ ወይ ጽገና ተበግሶ ምስ ተወስደ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ምምስራት፡ ‘ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ምትሕግጋዝ’ ዝብል ምርጫ ምውሳዱ፡ ከም መቐይሮ ዝሕሰብ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ምስተኣወጀ ዝነበረ ህዝባዊ ስምዒት ኩልና ንዝክሮ እዩ። ሰላም ኮይኑ፡ ቀሲንና ክንነብር ኢና፡ ኣብ ልምዓት ከምዝን ከምቲን ክንገብር ኢና ዝብል ተስፋ ፈጢሩ። ኣመት ናይዚ ሃዋህው’ዚ፡ ጸወታታት ጃንዳ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘብቀዐ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ።

እዚ ሕጂ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝተኸስተ፡ ሰብ ክጽበዮን ክሓስቦን ዘይክእል ዓንዳሪ መጥቃዕቲ ከመይ ኢሉ መጺኡ? እንታይ እዩ ናብኡ ዘብጸሐ? ብዕምቆት ክፍለጥ ዘለዎ እመስለኒ። ከም ኣርእስቲ ንበይኑ ሒዝካ ብስፍሓት ክዝረበሉ ዝኽእል እውን እዩ። እዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ’ቲ ጃንዳ ናይ ምርባጽ ግዜ እየን ነይረን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፍጠር ዝኽእል ልዙብ ዝምድና፡ ሰላም፡ ምርግጋእ ኮነ ዞባዊ ጽልዋኡ፡ ኣብቲ ጃንዳን ዘራያቱን ብዙሕ ጭንቀት እዩ ፈጢሩ። ስለ’ዚ ብኣንጻር’ቲ ዝተፈጥረ ሃዋህው፡ ናይ ኲናት ምድላዋት ጀማሚሩ ጥራይ ዘይኮነ ክጋልብ ተራእዩ። ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ‘ነቲ ፍርዳዊ ውሳነ፡ ተቐቢልናዮ፡ ሰላም’ዩ ድሌትና’ ድሕሪ ምባሉ፡ ብወገንና ነቲ ተበግሶ ከምዝተቐበልናዮ፡ ኣብ ናይ ‘ሰነ መዓልቲ ሰማእታት’ መደረ ተገሊጹ ነይሩ። እዚ ኩነታት’ዚ ነቲ ጃንዳ ኣየቕሰኖን። በዚ ድማ፡ ነቲ ናይ ዶብ ጉዳይ – ከም መጣልዒ ወረቐት ሒዙ ክሰርሓሉ ስለዝፈተነ፡ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ብድሆ ተፈጢሩ።

ብወገንና ንጉዳይ ዶብ ብዙሕ ኣይተሃወኽናሉን። ባድመ ይኹን ካልእ ቦታና ናብ ዝኸዶ የብሉን። እቲ ዝዓበየ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኩነታት ናብ ቅኑዕ መኣዝን ምምጻእ እዩ ነይሩ። ንዕኡ ከነሐይልን ክንድግፍን ኣለና፡ ናይ ዶብ ጉዳይና ተፈቲሑ-ኣይተፈትሐን፡ ተመልኪቱ-ኣይተመልከተን ዘጸግም ስለዘይኮነ፡ ንሓዋሩ ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር፡ ነቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ብትዕግስቲ ንርኣዮ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁው ግን ብንጥፈት ክንድግፎን ክንደፍኣሉን ናህሪ ወሲኽና ክንሰርሓሉን ኣለና ኢልና ተበጊስና። ብኣንጻሩ፡ እቲ ጃንዳ ንኲናት ኣብ ምድላው፡ ክፍጠር ዝኽእል ዝምድና ኣብ ምዕንቃፍን ጉዳያት ኣብ ምሕንካርን ኣትዩ። እቲ ዝግበር ዝነበረ ወተሃደራዊ ምድላዋት ንከታተሎ ነይርና ኢና። ብወገን ፈደራል መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ እውን ምክትታል ኣይነበረን ክበሃል ኣይከኣልን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብዙሕ ግዜ፡ ብባህጊ ጽቡቕ ሓሳባት የቕርብ’ዩ። ንሕና ድማ ምስ ሕሉፍ ተሞኩሮና ኣዛሚድና፡ ህድእ ኢልና ንርእዮም ጉዳያት ኣለዉ። ደድሕሪ’ቲ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ፡ ብሸነኽ ዓሰብ፡ ዛላምበሳ፡ ኦምሓጀር ዘሎ ዶባት ምኽፋት፡ ነቲ ርክባት ከምቖ ይኽእል’ዩ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁው ድርኺት ክውስኽሉ ይኽእል’ዩ ብዝብል ሓሳብ ዝተወስደ ስጉምቲ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣቢይ ብቐጻሊ ንደብረጼን ዘይትረኽቦ ይብለኒ ነይሩ። ኣነ ክረኽቦ እንተደልየ ሞንጎኛ እውን ኣይደልየሉን’የ። ግን ብዙሕ ዝዕዘቦ ነገራት ስለዝነበረ፡ ደሓን ቅድም ነቲ ሃዋህው ነጠዓዕሞ እሞ፡ ቀስ ኢልና ነርክበሉ ዝብል ሓሳብ ነይሩኒ። ምኽንያቱ ብወገን’ቲ ጃንዳ ተጻይ ዝዀነ ኣካዪዳን ወተሃደራዊ ምድላዋትን፡ መሰረት ዘይብሉ ኣናቛቲ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት እዩ ዝካየድ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ዛላምበሳ ኣብ ዝተኻየደ ዶብ ናይ ምኽፋት ስነ-ስርዓት ብዙሕ ሸውሃት ኣይነበረንን። ኣብ ምዕራብ፡ ኣብ ዶብ ኦምሓጀር ርክብ ክግበር’ዩ ምስተባህለ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት’ዩ – ከምዚ ጽባሕ ንራኸብ ‘ሕራይ ደሓን ክንራኸብ ንኽእል ኢና’ ኢለ። ኣብ ኦምሓጀር ንደቒቕ ክልተ ደቒቕ ዝኸውን ተራኺብና። ጎድኒ-ጎድኒ’ቲ ዝነበረ ድግስ ማለት’ዩ። ብወገነይ ሓንቲ መልእኽቲ ነይራትኒ። ንሳ’ውን ሰጋእ-መጋእ፡ የድሊ’ዶ ኣየድልን እናበልኩ። “ደብረጽዮን ንምንታይ ኢኹም ንውግእ ትዳለዉ ዘለኹም? ንውግእ ትዳለዉ ኣለኹም። እዚኣ ኣይትኸውንን እያ። ኣብ ካልእ ጉዳያት ሕጂ ክንዛረብ ኣይንኽእል ኢና። ንዓይ ዘምጽኣትኒ ቀንዲ ጉዳይ እዚኣ እያ” ኢለዮ። ኣብ ከብደይ ሒዘዮ ክኸይድ ስለዘይደለኹ እየ። ኣቢይ እውን ነቲ ርክብ ይደፍኣሉ ስለዝነበረ፡ ከም መልእኽቲ ምትሕልላፍ ወሲደ’የ “ወተሃደራዊ ምድላዋት ኣየድልየኩምን’ዩ” ዝበልኩዎ።

ማዕረ ማዕረ’ቲ ወተሃደራዊ ምድላዋት፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ጀሆ ስምዒት ንምእታዉ ‘ብደቡብ ተወረርና፡ ፈደራል መጽአ፡ ብኤርትራ ከምዚ ክመጻና እዩ’ እናበልካ ምርስሳን ነይሩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ናበይ ከምርሕ’ዩ፡ ደሓን እስከ ቀሰይ ኢልና ንከታትሎ ተባሂሉ፡ ከምዚ እንተዀነ፡ ከምቲ እንተዀነ ዝብል ሲናርዮታት ክጽናዕ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ብ3 ሕዳር ዝተፈጸመ ርኢናዮ። ከምኡ ክፍጸም ይኽእል’ዩ ኢሉ፡ ዝዀነ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ኣይኮነን። ምስቲ ዝነበረ ኣናቛቲ ዘመተታት ይኹን ወተሃደራዊ ምድላዋት፡ እቲ ተኽእሎታት እንታይ ኰን ክመስል ይኽእል? እንተበልካ እውን፡ ከምዚ ዓይነት ፍጹም ዓንዳሪ መጥቃዕቲ ክግበር ይከኣል’ዩ ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን። በየናይ ተኣምር ከምኡ ዓይነት ሲናርዮ ክረኣየካ? እቲ ዝነበረ ውጥን፡ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ክትርእዮ ከለኻ ብሓቂ ዘገርም’ዩ። ኣቋውማ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ልኡላዊ ወይ ፈደራል ኣሃዱታት ዝበሃልን ኣብ ክልላትን ሕጂ ክንዛረበሉ ኣይንኽእልን። ንሱ ንገዛእ ርእሱ ነዊሕ ዛንታ እዩ። ሰሜን እዝ ካብ 30-32 ሽሕ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ነይሩዎ። ሓደ ሲሶ ካብኡ ተጋሩ እዮም ነይሮም። ከም ቀዳማይ ፕላን ዝተወስደ (ብዘይካ’ቲ ቅድሚኡ ዝግበር ዝነበረ)፡ ኣብቲ ክልል ደሞክራሲያዊ ምርጫታት ተኻይዱ ኢልካ፡ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ሕጋውነት የብሉን ምባል ነይሩ። እዚ መጀመርያ ናይቲ ጸወታ እዩ ነይሩ። ንሱ ተወዲኡ። ብዛዕባኡ ዝተገብረ ጐስጓሳት ብዝተፈላለየ መንገድታት ኩሉ ሰብ ርእዩዎን ሰሚዑዎን እዩ።

እዚ ቀዳማይ ውጥን፡ ነቲ ድሕሪኡ ክውስድ ዝተሓስበ መጥቃዕቲ – ኣነ እኳ ዕብዳን’የ ዝብሎ – መጽረጊ መገዲ እዩ ነይሩ። ካብኡ ቀጺልካ፡ ነቲ ዶባት ክሕሉን ክከላኸልን ኣብቲ ክልል ዝሰፈረ ልኡላዊ ትካል ናይ ሰሜን ፈደራላዊ እዝ፡ ዝቕተል ቀቲልካ፡ ዝማረኽ ማሪኽካ ተጥፍኦ። ወይ ኢዱ ሂቡ ኢልካ ትእውጅ። ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትኸይድ። ካብኡ እንተሰለጠካ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ እውን ትቕይር። ከምዚ ዓይነት ዕቡድ ኣተሓሳስባ ሒዝካ፡ ኣብ ኲናት ክትኣቱ፡ ዓቢ ናይ ቅማረ (miscalculation) ጸገም’ዩ። ኣብ ኩሉ ወተሃደራዊ ግጥማት ጸገም ዘምጽእ miscalculation እዩ እሞ፡ ከምዚ ዓይነት ግጉይ ቅማረ ግን ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ኣነ ታሪኻዊ እየ ዝብሎ። ብዝኾነ ዝተቐትለ ተቐቲሉ፡ ነቶም ክማርኹዎም ዝኸኣሉ ማሪኾሞም። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ውሑድ ዘይኰነ ቁጽሪ፡ ነቲ መጥቃዕቲ መኪቱዎ። እታ መቐይሮ ኣብኣ’ያ ትመጽእ።

ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ሰለስተ ወርሒን ክልተ ሰሙንን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ግዜ’ዚ ዝመጸ ምዕባለታት ዝርዝራቱ ሓደ ብሓደ፡ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ናይ ሰሜን ፈደራላዊ ኣሃዱታት ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡዎ ንሳቶም ክዛረቡ ይኽእሉ። ብወገንና ከምኡ ዝኣመሰለ ሃንደበት ክመጽእ ኣብ ኣእምሮና ኣይነበረን። ኣማዕባብላ ናይቲ ኩነታት ምናልባት ንዳሕራይ እዋን፡ ግዜ ተረኺብሉ ነዊሕ ፊልምታት ክስራሓሉ ይኽእል ይኸውን። ግን ከምዚ ዓይነት ዕንደራ፡ ከምዚ ዓይነት ዓቕሊ ጽበት፡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ቅማረ (miscalculation) ኣብጺሑ፡ ክንድ’ዚ ዝኣክል ዕንወት ከውርድ ኣብ ናይ ዝዀነ ሰብ ኣእምሮ ኣይነበረን።

እዚ ሕጂ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ዝመጸ ምዕባለ እዩ። ስለምንታይ ናብ ከምዚ ዓይነት ዓንዳሪን ኣዕናዊን ሕርያ ተበጺሑ? ብዙሕ ክዝረበሉ ዝከኣል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። እቲ ጉዳይ ኣብዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ጥራይ ዝሕጸር ኣይኰነን። ናይ 30 ዓመታት ውጽኢት’ዩ። ምናልባት ክንዮኡ’ውን ክኸይድ ይኽእል። ብቐንዱ ግን ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ እዩ። ሓድሽ ትማሊ ዝመጸ ኣይኰነን።

ናቱ ክወና ኣዕሚቚና ክንርድኦ፡ ናይዘን ክልተ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ክንርኢ የብልናን። ጠንቁ እንታይ እዩ? ክበሃል ኣለዎ – ኣብ መወዳእታ ፍታሕ እውን ክንደሊ ስለዘለና። እዚ ትማሊ ዝተፈጸመ፡ ኣነ ናይ ፈንጂታት ፖለቲካ ዘምጸኦ ጸገም’የ ዝብሎ። ሰነዳቱ ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ መመሊሱ የተሓሳስበኒ እዩ። ምናልባት ን80-70-60-50 ዓመታት ድሕሪት ተመሊስና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ንሱ’ውን ናቱ ጽልዋ ስለዘለዎ። ብቐንዱ ግን፡ ኣብዘን 30 ዓመታት ዝማዕበለ ናይ ጃንዳ ወያነ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ዘምጸኦ ጸገም’ዩ። በቲ ቅድም ምስ ወያነ ዝነበረና ዝምድና፡ ብቐጻሊ ንመኻኸረሉ፡ ኣብ ገሊኡ ንሰማምዓሉ ኣብ ገለ ዘይንሰማምዓሉ ብዙሕ ጉዳያት ነይሩ እዩ። ሓደ ካብኡ፡ ማለት ምስ’ዚ ኩነታት እዚ ኣጋጢምካ ወይ ኣዛሚድካ ክዝረበሉ ዝከኣል ናይ 94 ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ኣነን መለስን ንፈልጦ። “እመጽእ ኣለኹ ጉዳይ ኣለኒ።” ኢሉኒ። ምስ መጸ፡ “ንድፊ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ኣዳሊና ኣለና’ሞ፡ ቀዳማይ ቅዳሕ’ዩ፡ ብዝሕ ሰብ ኣይረኣዮን፡ ርእይቶኻ ክሰምዕ ስለዝደለኹ እየ” ኢሉኒ። ኣንቢበዮ። ካልኣይ ግዜ ድሕሪ ምንባብ፡ ነቲ ርእይቶ ክህበሉ ዝደለኹ ነጥቢታት ኣድሚቐ (highlight ገይረ)፡ ደጊመ ደጋጊመ ምስ ኣንበብኩዎ፡ ኣብ ኣእምሮይ ዝተራእየኒ ናይ ሓደጋ ነገር እዩ። ዓንቀጽ 39 ጥራይ ኣይኰነን። ብምሉኡ እቲ ስርዓት ናበይ ገጹ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣመታት ዝህብ እዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ ተራኺብና። “እዚ ፈጺሙ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኸውን ቅዋም ኣይኰነን። ብዝዀነ ይኹን መለክዒ። ንዝኾነ ካልእ ሃገር ካልእ ህዝቢ እውን ዝኸውን ኣይኮነን” ኢለዮ። ንሱ ከኣ፡ “ከምኡ ከምእትብል እፈልጥ’የ፡ ዘይተጸበኹዎ ኣይኰነን። ግን ክንመኻኸር ስለዘለና እየ። ንዓኻ ከምኡ ከምዝረኣየካ ይርድኣኒ’ዩ። ንዓና ዝጥዕመና ግን ንሱ እዩ። ኣብ ኩለን እተን ክልላት ፈንጂ ትተክል፡ ኩነታት ጽቡቕ እንተኸደ ጽቡቕ፡ እንተዘይከደ ከኣ ንኹለን ሓደ ብሓደ ነባርዐን።”

ብኸምዚ ዓይነት ቅኒት ኣእምሮ፡ ሃገር ክትሃንጽ ስርዓተ-መንግስቲ ክትምስርት ከመይ ኢልካ ይሕሰብ? እዚ ናይ ክልላት ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን፡ ሓደ ስርዓተ-መንግስቲ ንምፍጣር ዘይኮነ፡ ብናይቲ ጃንዳ ኣጠማምታ ዝተቐየሰ ወይ ዝተሰርሐ መጻወድያ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ 25 ዓመታት ካብ 1995 ክሳብ 2020 ወይ ክሳብ’ቲ ናይ እርማት ስጉምቲ ዝመጻሉ፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሊ’ዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተሃኒጹ ወይ ተዀስኲሱ እንድሕር ኢልና፡ ኤትኒካዊ ጽልኢ፡ ኣተፋናኒ ዝዀነ ኣናቛቲ ባህሊ እዩ ተዀስኲሱ። ነታ ሃገር ዝሓመሰ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ዘውደቐ ብመሰረቱ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ እዩ። ሱር መሰረት ናይቲ ጉዳይ ግን ኣብ 94–95 ዝሕጸር ኣይኰነን። ክንዮኡ እውን ዝኸይድ’ዩ። ካብ 70ታት ጀሚርካ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ንሕና ካብ ዝዀነ ካልእ ወገን ንላዕሊ ንፈልጦ። ብዛዕባ’ዚ ናይ ትማሊ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ዓንዳሪ ስጉምቲታት ጥራይ ምዝራብ፡ ኣጽቢብካ ምርኣይ እዩ ዝኸውን። ጠንቅታቱ ንድሕሪት ተመሊስና ክንምርምሮ ኣለና። ብልክዕ ፍታሕ ክንረክብ። ናይ ክልል ትግራይ ጥራይ ኣይኮናንን ንርኢ። ኣብ ኢትዮጵያ ብኣጠቓላሊ ናይ ብሓቂ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ባህሊ እዩ ክዂስኰስ ጸኒሑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ሒዝካ፡ ብሰላም ብሓባር ክትነብር ዝከኣል ኣይኮነን። ከም ጎረባብቲ እውን ተኸባቢርና፡ ተሓጋጊዝና ክንነብር ዘኽእል ኣይኮነን።

ምናልባት ናብ ካልእ ገፊሕ ዓውዲ ክወስደና ይኽእል ይኸውን እምበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ኣብ ሶማል፡ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ሊባኖስ፡ ኣብ ሱዳንን ካልእን ክዂስኰስ ዝተፈተነ ከምኡ እዩ። ኣብ ክላን፡ ኤትኒክ፡ ብሄር ዝተመርኰሰ፡ ጸቢብ ትሕተ ሃገራዊ ኣካዪዳን ኣቋውማን፡ ብዎር ሎርድስ (ጎይቶት ኲናት) ዝእዘዝ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ፈጢርካ፡ ሃገር ፋሕፋሕ ምባል። ሃገር ይሕመስ። ሃገር ምስ ተሓመሰ፡ ነቲ ሕንፉሽ ኩነታት፡ ወኪል ኮይኑ ዘመሓድር ብደገ ይመጽእ። ሓደ-ሓደ እዋን ናይ ሃይማኖት ካባ ዝተኸድነ ውድብ መጺኡ ነቲ ኩነታት የመሓድሮ። ዘይመንግስታውያን ውድባት፡ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝበሃላ ይመጽኣ። ካብኡ ንድሓር፡ ሃገራዊ ልኡላዊ ትካላት ናይ ምህናጽ ዕድል የለን። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እተሓመሰ፡ መመሊሱ ዝገማምዕ፡ ኣብ ጽልኢ ኣብ ቅርሕንቲ ዝሸምም ሃዋህው ዘመሓድሮ፡ ናይ ደገ ኣጀንዳታት እዩ።

ናይዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኩነታት ኢትዮጵያ ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኰነን። ከም ኣቃውማ (ፓተርን) እንተሪኢኻዮ ተመሳሳሊ እዩ። ንሕና’ኸ ካብ መን ንሓይሽ? ኢልና ክንዛረብ እውን ግቡእ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና እውን ካብቶም ካልኦት ህዝብታት ዝተፈለና ኣይኮናን። እዚ ከምዚ ዓይነት መቓቓሊ ኣናቛቲ ፖለቲካ ከም ተመኩሮ ሓሊፍናዮ ኢና። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ከለና፡ ነዛ ሃገር ብሃይማኖትን ካልእ መገዲን ኣብ ክልተ – ሰለስተ ንምምቕቓል ዝተገብረ ነገራት፡ ነቲ ህዝቢ ዓቢ ትምህርቲ ምሂሩዎ እዩ። ድሕሪኡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ካብ 60’ታት ክሳብ 81 ዝነበረ ኩነታት እውን ርኢናዮ ኢና። 1ይ ክፍሊ፡ 2ይ ክፍሊ፡ 3ይ ክፍሊ፡ 4ይ ክፍሊ እናበልካ ብወገን ብኣውራጃ ዝነበረ ናይ ምፍልላይ ፖለቲካ ዓቢ ትምህርቲ ተማሂርናሉ ኢና። ከምኡ ጌርና ናጽነትናን ልኡላውነትናን ከነረጋግጽ ንኽእል ኣይነበርናን። ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝተጠራቐመ ተመኩሮ እዩ፡ ንዓና ካብ ሓደጋ ኣድሒኑና እምበር፡ ካብ ካልኦት ኣብ ጎደቦና ዘለዉ ህዝብታት ንፍለየሉ ምኽንያት የለን።

ዘላቒ ሰላም፡ ርግኣት ክህሉ፡ ምትሕብባር ምትሕግጋዝ ክሰፍን እንተኾይኑ እምበኣር፡ እዚ መሰረታዊ ጸገም’ዚ ብሓባራዊ ጻዕሪ ክእረም ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ፖለቲካን መርዛም ባህሊን ኣብ ሕብረተሰባት እንተ ሰሪጹ ከተዕርዮ ወይ ክትእርሞ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ-ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ናይ እርማት ስጉምቲ ዝደገፍና፡ ኣብዚ ከባቢ ናይ ሓዋሩ ዘላቒ ርግኣትን ሰላምን ንምምጻእ ክንተሓጋገዝ ስለዘለና እዩ። ሕርያ ኣይኮነን፡ ወይ ኬር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሓቀኛ ርግኣት ክመጽእ እንተኾይኑ፡ እዚ ኣከያዪዳ’ዚ ክእረም ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሓድሕዱ ክናቖት፡ ብሄራትን እንዳታትን ንሓድሕደን ክናቖታ ረብሓ የብልናን? ንዓና እውን ከቕስነና ኣይክእልን። ሰላምን ርግኣትን ክርከብ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣመለኻኽታና ቀዋሚ ወይ ነባሪ ፖሊሲና ንሱ እዩ። ብኡ ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና።

እዚ ናይ ትማሊ ናይ ዕብዳን ፍጻመ ዓቢ ትምህርቲ ቀሲምናሉ ኣለና። እቲ ጸገም ተወዲኡ ኢልና እውን ክንዛረብ ኣይንኽእል። ነቲ ዘሎ ምዕባለ ንምቕልባስ ከም ብሓድሽ ትርፍራፍ ናይ ጃንዳ ኣኻኺብካ፡ ኣላሕላሒ ናይ ኣትሪሽን (ምርብራብ) ኩነታት ፈጢርካ፡ ድሕሪኡ ናብ ጸረ-መጥቃዕቲ ትኸይድ ዝብል ናይ ደገ ይኹን ናይቶም ኣለና ዝብሉ ናይ ውሽጢ ወገናት ኣጀንዳ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ፍጻመ ዘርዚርና ክንርድኦ፡ ካብ’ቲ ንዕኡ ዝፈጠረ ሃዋህው እንታይ ተማሂርና? ንመጻኢ’ኸ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወይ ከመይ ጌርና ንኸይድ ክንፈልጥ ኣለና። ሓደስቲ ምህዞታት የብልናን። ግን፡ ካብ ተሞኩሮና ዝተማሃርናዮ መለበሚ ስለዘሎ፡ ንዘላቒ ሰላምን ርግኣትን ክንጥቀመሉ ምእንቲ ኣነባብባና ብዕምቈት ኮይኑ፡ መረዳእታና ናብ ንጡፍ ተበግሶታት ከምርሓና ክኽእል ኣለዎ።

ናይ ኢትዮጵያ ቦታ ኣብዚ ዞባ’ዚ ንእሽቶ ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ሕጂ ወይ ሎሚ ዝተራእየና ኣይኮነን። ኣብዚ ዞባ ርግኣት ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ናይ ብሓቂ ናይ ኢትዮጵያ ቦታ ንርግኣት ዝድግፍን ንርግኣት ዝሕግዝን ክኸውን ኣለዎ። ቅድም ቀዳድም ከኣ፡ ዘቤታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ነዚ ሓላፍነታት’ዚ ዝስከመሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ንሕና ከኣ፡ ን80 ዓመታት ተደጋጋሚ ሽግር ዝረኣናሉ ስለዝኾነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቅሳነትን ርግኣትን ካብ ካልኦት ህዝብታት ናይዚ ጎዶቦ ብዝተፈልየ ዝያዳ የገድሰና። ብኡ መጠን ድማ ግዴታናን ግቡእናን ከነበርክት ኣለና ኢልና ንሰርሕ ኣለና።

 

  • ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ሓይልታት ንወያነ ከም መጋበርያ ተጠቒምካ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ኤርትራ ናይ ተነጽሎን ምስይጣንን ዘመተ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። እዚ ዘይምኽኑይ ተጻብኦታት’ዚ፡ ኣብዚ ውሁብ ኩነታት እንታይ ኣንፈት ክሕዝ ይኽእል?

= እዚ’ውን ኣብ ውሽጢ ታሪኻዊ ክወናዊ ስእሊ (ፐርስፐክቲቭ) ክንርእዮ ኣለና። ኣብ ውሽጢ’ዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ናይ 80 ዓመታት ተሞኩሮን ክንዮኡን ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። ሃገራት ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብዝተሓንጸጸ ዶባት እየን ቈይመን። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ዝበሃለሉ ኣይኮነን። እዘን ብመግዛእቲ ዝቘማ ሃገራት፡ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ናጽነተን ክጎናጸፋ ከለዋ፡ እተን ናጽነት ዝግበአን ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጣት እየን ነይረን። ኤርትራ ሓንቲ ካብአን እያ። እኳ ድኣ ካብተን ቀዳሞት ኣብ መወዳእታ 19 ዘመን ብመግዛእቲ ዝቘማ ሃገራት እያ። እንተኾነ ናጽነት ኤርትራ ንስትራተጂያዊ ረብሓታት ኣየገልግልን እዩ፡ ተባሂሉ ብበዓል ፎስተር ዳላስ ዕድልና ተወሲኑ። ክሳብ 1952 ናይ መሰጋገሪ ግዜ ናይ እንግሊዝ ምምሕዳር ነይሩ። ድሕሪኡ፡ እቶም ጎብለላት ዝሓረዩዋ ወኪል ናይ ኣጀንዳታቶም ኣብዚ ከባቢ ኢትዮጵያ ስለዝነበረት ንሕና መሰልና ተነፊግና። ብሰንኪ’ዚ ናይ ግዳም ኣጀንዳ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍናዮ ዛንታ ናይ ትማሊ ዝኽርታት እዩ። ብሰበቡ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይለስላሰ ይኹን ደርግ።

ዝተፈላለየ ዘረባታት ክዝረብ ይኽእል ይኸውን፡ ግን ስርዓታት ኣዲስ ኣበባ ናይ ግዳም ኣጀንዳታት’ዮም ዘተግብሩ ነይሮም። ናይ ብሓቂ እንተርኢናዮ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘባእስ ነገር ነይሩ ድዩ? እንታይ ዘባእስ ኣሎ? ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ስለዝመሰሎም፡ ብዝያዳ ግን ናይ ደገ ኣጀንዳታት ስለዘተባብዖምን ስለዝደገፎምን፡ ንዕኡ ከተግብሩ’ዮም ዝሰርሑ ነይሮም። ናቶም ኣጀንዳ ነይሩዎም ኢልካ ክዝረብ ኣይከኣልን። በቲ ናይ ደገ ኣጀንዳ ዝድገፍ ነይሩ እንተዘይከውን ክንድኡ ዝኣክል ዓመታት እውን ክኸይድ ኣይምኽኣለን። እቲ ናጽነት ኤርትራ ንስትራተጂያዊ ረብሓና ኣየገልግልን’ዩ – ስለ’ዚ ብወኪልና ተገዚኣ ክትነብር ኣለዋ ዝብል ውሳነ እዩ እቲ ኩሉ ሽግር ፈጢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝነበሩ ስርዓታት ውሳነ ኣይኰነን። ነዚ መኪትና ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ክንበጽሕ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ነዚ ሃገር’ዚ፡ ሃገር ዝገበሮ ተሞኩሮ እዩ። ተጠሚርና ክንቃለስ እንተኾይንና ንውሽጣዊ ምክፍፋል፡ ንኣናቛቲ ፖለቲካ ክንሰግሮ ነይሩና። ክሳብ 1991 ኣብ ዝተኻየደ ናይ 50 ዓመት ቃልሲ ዝተዋህለ ተመኩሮ ቀሊል ኣይነበረን።

ኣጋጣሚ ምስ ናጽነትና፡ 1991 ዝሑል ኲናት ተወዲኡ። ደምበታት ምብራቕ-ምዕራብ፡ ሶቬት-ኣመሪካ ዝበሃል ተሪፉ፡ ኩነታት ተቐያይሩ። ናብ ሓድሽ መዋእል ኣቲና። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፡ ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ጉርብትና ክንምስርት፡ ቀስ ብቐስ ድማ እቲ ዝምድና ብዞባ ደረጃ ጽልዋኡ እናኣሐየልናዮ ክንከይድ ኢልና፡ ብጽሩይ ኣተሓሳስባ ጉዕዞ ጀሚርና። ብግስ ከይበልና፡ ኣነ ምስምስ እየ ዝብሎ፡ ናይ ዶባት ሽግር መጺኡ። ናይ ሓንሽ ጉዳይ መጺኡ። ብናይ መን ኣጀንዳ? ስለምንታይ? ናይ የመን ኣጀንዳ ኣይኰነን። ናይቶም ዓለማውያን ጎብለላት ኢና ዝብሉ ኣጀንዳ እዩ። እዛ ሃገር’ዚኣ ሕጂ’ውን ክትድቅስ የብላን ተባሂሉ – በዚን በቲን ሽግራት ምፍጣር ተጀሚሩ። እቲ ናይ ሓንሽ ምናልባሽ ቀልጢፉ ተወዲኡ ተደቓቒሱ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።

ድሕሪኡ ናይ ባድመ መጺኡ። ባድመ እውን ናይ ፈጠራ ሽግር’ዩ። ባድመ ምስምስ’ዩ። ነቲ ክፍጠር ወይ ክምዕብል ዝግብኦ ዝነበረ ዝምድና ንዕኡ ንምብካልን ንምብራዝን ተባሂሉ ዝመጸ እዩ። ከመይ ተማሂዙ፡ ከመይ ማዕቢሉ፡ ኣብ መወዳእታ ብኸመይ ናብ ዓቢ ግጭት ኣምሪሑ፡ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ከመይ ከይዱ፡ ድሕሪ ብይን ናይ 2002 ከመይ ኢሉ ቀጺሉ፡ እንተድኣ ኢልና፡ ድራኸኡ ናይ ደገ ኣጀንዳታት እዩ። እቲ ኣጀንዳ ናይ ደገ ኰይኑ ግን፡ ጃንዳ ነቲ ኩሉ ታሪኻዊ ዝምድና፡ ነቲ ኩሉ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ጠሊሙ፡ ኣንጻር ኤርትራ ተበጊሱ። ናቱ ናይ ገዛእ-ርእሱ ጸገም ጥራይ ኣይነበረን። ገዚፍ ናይ ደገ ደገፋት እዩ ኣተባቢዕዎ። ብኣመሪካ ጥራይ ነቲ ጃንዳ ዝተገብረ ድጎማ እንድሕር ገምጊምና፡ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር’ዩ። እዚ ብረድኤትን ካልእን ኣምሲልካ ዝተዋህበ ሓገዝ እዩ። ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣናቚትካ ብድሕሪኡ ናብ ኣጀንዳታትካ ተምርሕ። እዚ ሜላ’ዚ ድሕሪ 1991 ምኽታም ናይ ዝሑል ኲናት ዝተማህዘ እዩ።

ፉክያማ እንታይ ኢሉ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ምዕራብ ፈላስፋታት እንታይ ይብሉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ተጠቓሊሉ ግን እቲ ሓሳባት እንኮ ቁጥባዊ (ዩኒ-ፖላር) ስርዓት ክንምስርት ኢና፣ ንነዊሕ ዓመታት ዓለም ክንገዝኣ ኢና፣ ዓለም ክንገዝኣ ምእንቲ ከኣ፡ ኣብ ክሊታት ናይ ጽልዋ (spheres of influence) ክንከፋፍላ ኣለና፣ ኣብቲ ክሊታት ናይ ጽልዋ ከኣ፡ ወኪላት ይህልዉና ዝብል ኣብ ሰነዳቶም ብጭብጢ ሰፊሩ ዘሎ ኣጀንዳ እዩ። ነዚ ኣጀንዳታት እዚ ኣብዚ ከባቢና ከተግብሩዎ ዝተኸተልዎ  ብልሓት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ ካልኦት ጎረባብቲ ብምስምስ ዶብን ካልእን ኣናቛቲ ዝዀነ ኩነታት ምፍጣር እዩ ነይሩ። ኣብተን ሃገራት ዘለዉ መንግስታት ፈሊጦምን ተረዲኦምን መንግስትን ዘበጋገስዎ ነገር እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ዛዕባን እቲ ምስምሳትን ብቐንዱ ናይ ደገ እዩ። ነዚ ንምትግባር ኣብ ውሽጢ’ዘን 25 ወይ 30 ዓመታት፡ ነቲ ጃንዳ ዝተገብረሉ ድጎማ ቀሊል ኣይኰነን። ብስምዒታት፡ ብትንታነ ዘይኰነ ብጭብጢታት ክትዛረበሉ ትኽእል ኣርእስቲ እዩ።

ካልኦት ዝተፈላለዩ ዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት ዝበሃሉ ካብ 1991 ዝጀመሩ፡ ኣውራ ድማ ካብ 2000 ንድሓር ዝማዕበሉ ኣሃዝ ብኣሃዝ፡ ቦታ ብቦታ፡ ፍጻሜ ብፍጻሜ እንድሕር ጸብጺብናዮም፡ ነዚ ኣጀንዳታት ዝድርኹ ዝነበሩ ናይ ግዳም ሓይልታት እዮም። ክሳብ ሕጂ እውን ንሳቶም እዮም። እዚ ናይ ትማሊ ፍጻሜ፡ ነቲ ጃንዳ ኣሰናቢዱዎ ወይ ኣጉህዩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ግን እቶም ንሕና ዘራያት እናበልና ንገልጾም ብከም ጃንዳ ወያነ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ኣጀንዳኦም ዘተግብሩ ሓይልታት እዮም ተረቢጾም ዘለዉ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ሰለስተ ወርሒን ልዕሊኡን በጨቕ-በጨቕ ዝብል ዝነበረ፡ ዝተፈላለየ ናይ ምስይጣን ዘረባታት እንተጸብጽቢናዮ፡ ነጸብራቕ ናይዚ ጭንቀትን ቅብጸትን እዩ ነይሩ። እዞም ሕጂ ከም ጨንፈራዊ ጉዳያት ተመሲሎም ኣብዚ ዞባ ዝረኣዩ ዘለዉ ሽግራት እውን፡ ካብኡ ፈሊኻ ክትርእዮም እትኽእል ኣይኰኑን።

ስለዚ፡ ዝዀነ ፍጻሜ ወይ ምዕባለ ኣብ ዝቕልቀለሉ ኣስፊሕናን ኣዛሚድናን ክንርእዮ ክንክእል ኣለና። በይንና ኣይኰንናን ተዋሳእቲ። ናይ ብዙሓት ተዋሳእቲ መድረኽ’ዩ። እቶም ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዎም ከኣ እቶም ጎብለላት ኢና ዝብሉ እዮም። ናይ ጃንዳ ጉዳይ ግን ብዙሕ ኣተዓባቢኻ ዝርአ ነገር ኣይኰነን።

እቲ ጃንዳ እውን ናቱ ጸገም ነይሩዎ እዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ 1970ታት ዝነበረ ኩነታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። “ንሕና ምስዚኦም ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ናትና ሃገር ክንምስርት ኣለና. . .” ዝብል ፕሮግራም ሒዙ እዩ ተበጊሱ። ክኸውን ዘይክእል ነገር እዩ፡ ንሕና ሕጂ ሓድሽ ዶባት ክንስእል ኣይኰናን፡ እዚ ፕሮግራም’ዚ ኣየስርሕን’ዩ ተባሂሉ፡ ድሕሪ ክንደይ ምይይጥ እዩ እቲ ሓሳብ ተለዊጡ። እቲ ጃንዳ ካብ ፈለማ ንናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ እዩ ተበጊሱ ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ምስቲ ዝነበረና ዝምድናታትን ምሕዝነትን ግን እቲ ኣተሓሳስባ እናማዕበለ መጺኡ፡ ተቐይሩ። ድሕሪ 1991 እውን፡ ወያነ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ናብ ምፍጣር ክኸይድ ከሎ፡ ነቲ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ዝከኣለና ጽዒርና ኢና። ብእኡ ጥራይ ግን ክኸይድ ዝኽእል ኣይነበረን። ማዕረ ማዕረኡ ናይ ደገ ኣጀንዳታት ኣሎ። ኣብ ዞባና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝፍጠር ኩነታት ክንርእዮ እንተዄይንና ከምኡ እዩ።

ስለዚ፡ እዚ ሕጂ ትማሊ ዝርኣናዮ እውን ኣብ መዕለቢኡ በጺሑ እዩ፣ ተወዲኡ እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ፡ እዞም ኣጀንዳታት እዚኣቶም ጽባሕ ንግሆ ክድቅሱ ድዮም? ኰይኑ እዩ’ሞ ንቀበሎ ኢሎም ክኸዱ ድዮም? ሓቂ እዩ ጅሆ ናይ ተሞኩሮታትና ኣይንኸውንን። ግን ኣብ 80 ዓመታት ተጠራቒሙ ዝተኣከበ ዝተማሃርናሉ ጉዳያት ስለዘሎ፡ እዚ ኣጀንዳ’ዚ ጽባሕ ንግሆ ክተርፍ’ዩ፡ ሕጂ ክቕየር’ዩ፡ ኢልና ክንሓስብ ኣይንኽእልን። እቲ ምዕባለታት እውን ንርእዮ ዘለና እዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዞባ’ዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ወጻኢ ካብዚ ዞባ ዘሎ ኩነታት እውን ንሱ እዩ። ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን ዘሎ ዝተፈላለየ ምትእትታዋትን ምሕንካራትን መግለጺኡ እዩ። እንተኾነ እዚ ትማሊ ብወገን ጃንዳ ወያነ ዝተፈጸመ ዕንደራ ብዙሕ ነገር ተማሂርናሉ ኣለና። ንዝመጽእ ግን ከመይ ጌርና ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘረግቲ ጉዳያት ንገትኦም ናብኡ ዝጠመተ መደባት ከነውጽእ ኣለና።

እዚ ሕጂ ዘሎ ኣጀንዳታትን መግለጺታትን ….. ኣሰይጥን፡ ሃድድ፡ በትሪ ኣወጣውጥ፡ ደስቕ፡ ኣካፍእ፡ ኣጸልም…. ምስ ተሞኩሮና ኣዛሚድና ከም ንቡር ክንወስዶ ንኽእል። እገዳ ክሓልፍ ከሎ ከመይ ገይሮም ነቲ እገዳ ኣሕሊፎሞ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። እቲ ጉዳይ ውዱእ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዕላማ ፍሉጥ ስለዝዀነ። ንኤርትራ ከመይ ጌርካ ተዳኽማ፡ ትድህካ፡ ተርዕማ….። ነዚ ንምግባር ትጥቅን፡ ትሕሱ፡ ሓሰውቲ መሰኻኽር ተምጽእ፡ መሰኻኽር ተፈራርሕ፡ መሰኻኽር ትድልል፡ ኣብ መወዳእታ ባዕልኻ ዳኛ ትኸውን፣ ባዕልኻ ቀጻዒ ትኸውን። ሕጂ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ወርሒ ዝተራእየ ተመሊስና ምስቲ ናይ እገዳ ዓመታት እንተርኢናዮ፡ እቲ ኣካይዳ፡ እቲ ቅኒት ናይ ኣእምሮ ሓደ እዩ። ከመይ ገይርካ ተጸልም፡ ተካፍእ፡ ተሰይጥን፣ ከመይ ጌርካ ትኹንን፡ ብኸመይ መሰኻኽር ተምጽእ፡ ትፈርድ….። ነዚ ኣብ መቓን ናይቲ ንነዊሕ ጠሚትና ክንሃንጾ ዘለና ርግኣት፡ ከነደልድሎ ዘለና ልኡላውነት ከመይ ጌርና ክንሰርሓሉ ኢና – ዓቢ ትምህርቲ ቀሲምና ኣለና። እዚ ናይ ደገ ኣጀንዳታት ክተርፍ’ዩ፡ ጽባሕ ክቕየር’ዩ፡ ጽቡቕ ድሌት ክህሉ’ዩ፡ ከይበልና ብናትና ንጡፍ ኣከያይዳ ጥራይ ክንቆጻጸሮ ከምእንኽእል ታሪኽ ምሂሩና እዩ።

  • ክቡር ፕረዚደንት ከምዚ ክትጠቕሶ ዝጸናሕካ፡ ነቲ ኣብ ዞባና ዝበጋገስ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ሃዋህው ብኣሉታ ክጸልዉ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ክርኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ። ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ብጉዳይ ማይ ኒል ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግብጽን ዘሎ ዘይምቅዳው ካብቶም ቀንዲ እዮም። እዚ ምስሕሓባት’ዚ ኣብ ፍትሒን ሕግን ሓባራዊ ረብሓን ተመርኲሱ ዘላቒ ፍታሕ ክርከቦ ብዞባ ደረጃ እንታይ ክግበር ይከኣል? ኤርትራ ክትጻወቶ እትኽእል ምቕሉል ኣበርክቶ’ኸ እንታይ ኣሎ?

= ነዛ ሕቶ’ዚኣ ክንምልሳ – እንታይ’ዩ መወከሲ ወይ መርሓ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና? እቲ መርሓ ኣብ ምንታይ ዝተመርኰሰ’ዩ ክንርኢ ኣለና። ዘይርግኣት ኩሉ ግዜ ካብ ዘይምውዳን ዝመጽእ’ዩ። ሚዛንውነት (ባላንስ) ኣብ ዘይብሉ ዘይርግኣት ይመጽእ፡ ግጭት ይመጽእ፡ ዝተፈላለየ ጌጋ ቅማረ ይምዕብል። ስለዚ፡ ኣብ ዞባና ርግኣት ክመጽእ፡ ውዳነ ወይ ሚዛን ክህሉ ኣለዎ። ሚዛን እንታይ ማለት እዩ? ንሕና ብሓፈሻዊ ብጆግራፊያዊ ኣገላልጻ፡ ጎደቦና እንብሎ ኣርባዕተ ኣቖምቲ ኣካላት (components) ኣለዉዎ። ሓደ ናይ ኒል ተፋሰስ ወይ basin እዩ፣ ኣብኡ ሃገራት ተፋሰስ ኒል ኣለዋ። ካልኣይ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ወጻኢ ካብ ተፋሰስ ኒል ዝዀና ወይ ኣብ ክልተኡ ዘለዋ ሃገራት ዝርከብኦ። ሳልሳይ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ጎዶቦ ቀይሕ ባሕሪ እዩ። መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት ዝሓቊፍ። ራብዓይ ኸሊጅ ወይ ወሽመጥ ዓረብ እዩ። እዚ ንሓድሕዱ ተወሳሲቡ ሓደ ጎደቦ እዩ። በይኑ ተሓጺሩ ዝኸይድ ኢልና ግን ክንዛረብ ኣይንኽእልን።

እታ ኣቐዲመ ምውዳን ዝበልኩዋ ምእንቲ ክትህሉ እምበኣር፡ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ቦታኡ ክሕዝ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ዓቢ እዩ፣ እቲ ንእሽቶይ እዩ፣ ሃብታም’ዩ፣ ድኻ’ዩ ዘይኰነ፡ ናይ ምትሕግጋዝ፡ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ፈጢርካ ሃናጺ ዝዀነ ስጉምቲታት ክትወስድ ምእንቲ፡ እቲ ባላንስ ወይ እቲ ምርግጋእ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ተራ ክህሉ ኣለዎ። ንሕና ከም ንእሽቶ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ጎደቦ’ዚ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝተጋነነ ተራ ክህልወና እንሓስበሉ ምኽንያት የለን። ንሓስቦ ነገር እንድሕር ኣሎ፡ ኣብ ውሽጢ ርጉእ ሃዋህው፡ ኣብ ውሽጢ ሰላም ዝሰፈኖ ሃዋህው ምንባር እዩ። ልምዓት ካልእ ረብሓታትን ክንረክብ እንተዀይንና፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ጎደቦ ሰላምን ርግኣትን ክህሉ ዝያዳ ንዓና የገድሰና። ምናልባት ነቶም ዓበይቲን ሃብታማትን ዘይክርኣዮም ይኽእል ይኸውን፣ ንዓና ግን ዝያዳ ይረኣየና። ከምኡ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ ክንብል ከለና፡ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝተበገሰ ጥራይ ዘይኰነ፡ ክዉን ኣረኣእያ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጎደቦ እዚ ክህሉዎ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ጸገም እንታይ እዩ – ኣብ ውሽጢ’ቲ ጎደቦ ዘሎ ዘይምምዝዛን እዩ። ብናይ ተፋሰስ ኒል እንድሕር ጀሚርና፡ ግብጺ ኣብቲ ምዕሪት (equation) ኣበይ ኣላ? ሱዳን? ደቡብ ሱዳን? ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ኣበይ ኣላ? ሶማል፡ ጅቡቲ የመን ኣበይ ኣለዋ? ስዑዲያ ኣበይ ኣላ? ኩሎም’ቶም ኣብ ውሽጢ’ዚ ጎደቦ ዘለዉ ሃገራትን ህዝብታትን ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ? ቦታኦም ሒዞም ኣለዉ ድዮም? ንዓኣቶም ኣሳንዩ ከተሓባብሮም ዝኽእል ሃዋህውን ባይታን ኣሎ ድዩ ናይ ብሓቂ? ውሽጣዊን ጎደቦኣዊን ኩነታቶም ሚዛኑ ምዕሩይ ድዩ ኣይኰነን? ነፍሲ-ወከፍ ቦታኡ ሒዙዶ ኣይሓዘን? ናይ ደገ ረቛሒታት’ከ ክሳብ ክንደይ እዩ ጽልዋኡ? ክንርእዮ ዘለና እዩ።

በዚ መንጽር ምስ ዝጥመት፡ እዚ ጎደቦ እንብሎ ዘለና ናቱ ናይ ገዛእ-ርእሱ ናጻ ህላወ ኣለዎ ድዩ? ኣብቲ ጎደቦ እንብሎ ንባዕሉ ዞባውያን ጎብለላት ኢና ዝብሉ ኣለዉ። እዞም ዞባውያን ጎብለላት እዚኣቶም ነናቶም ክሊ ናይ ጽልዋ ክፈጥሩ ስለዝደልዩ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ንሕና ጎደቦ እንብሎ ዝፈጥሩዎ ጸገማት መወዳእታ የብሉን። ኣብ ርእሲኡ ብዓለም ደረጃ ጎብለላት ኢና ዝብሉ ዘለዎም ምትእትታው፡ ነቲ ሚዛን ክሳብ ክንደይ ከምዝሓቑኖን ከምዘናውጾን ክንግንዘብ ኣለና። ስለዚ፡ እቲ ህሉው ኩነታት ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ? ኩሎም እዞም ተዋሳእቲ እንብሎም ኣብ ውሽጢ’ቲ ጎደቦ እንታይ ተራ ኣለዎም? ዝሕንክሩ ዝጽይቑ፡ ዘባእሱ፡ ዘናቑቱ፡ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ስለዘለዉ፡ ነዚኣቶም ከይሰገርካ ናይ ብሓቂ ርጉእ ጎደቦ ክትፈጥር ንህዝቢታትካ ዝጠቅም ባይታ ክትፈጥር ኣጸጋሚ እዩ።

እዚ ሕጂ ናይ ዶባት ሽግር ተመሲሉ ዝቀላቐል ዘሎ፡ ኣጽብብ ኣቢልና ጥራይ ክንርእዮ የብልናን። ኣብ ውሽጢ’ዚ መቓን’ዚ ክርአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። መን’ዮም እቶም ተዋሳእቲ? ዘቤታውያን ይኹኑ ካብኡ ወጻኢ ብዞባ ደረጃ ወይ ብዓለም ደረጃ ዝጥመቱ ተዋሳእቲ? እንታይከ ይገብሩ? በዚ ዘሎ ኣካይዳ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኣርባዕተ ኣቖምቲ ኣካላት ከፊልና ንርእዮ ዘለና ጎደቦ ናብ ከመይ ገጹ ከምርሕ ይኽእል? ዝሓለፈ 10፡ 30 ዓመታት ከመይ ነይሩ? እቲ እንኮ ቁጠባዊ ዓለም ክንፈጥር ኢና ተባሂሉ ዝተበገሰ ኣጀንዳታት ከመይ ጸልዩዎ? እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት’ከ ከመይ ይጸልዎ ኣሎ? ኣብ ውሽጢ’ዚ መቓን’ዚ፡ ከም ኣብነት ናይ ተፋሰስ ኒል እንተወሲድና፡ ምስ ሓጽቢ ሚለንየም ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ዘሎ ጸገም ከመይ ጌርና ንርእዮ?

ኣነ ኣብ መዛግብተይ ዝሓዝክዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። እዚ ናይ ኒል ጉዳይ ኣቓልቦይ ዝሰሓበ ኣብ 1993 ረፈረንደም ተኻይዱ ከም ናጻ ሃገር ምስ ተፈለጥና፡ ኣብ ካይሮ ናይ መራሕቲ ሃገራት ኣኼባ (summit) ስለዝነበረ – ንመጀመርያ ግዜ ኣብኡ ተሳቲፍና። ናይ ናይል ጸገም ምናልባት ከንብቡ ንዝደልዩ እቲ ጂኦ-ፖለቲክስ እንታይ’ዩ? ኣብኡ ዝጸንሑ ግጭታት እንታይ እዮም? በብዘመኑ መጺእካ ክዝረብ ይከኣል ይኸውን። ጽሑፋት ስለዘለዉ ክንበቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኣኼባ ምስ መለስ ብሓንሳብ ኢና ነይርና። ኣብ ሎቢ ኮፍ ኢልና ብዙሕ ነዕልል። ሽዑ ግብጺ ብመትረብ ስዌዝ ካናል ገይሮም ማይ ኒል ንእስራኤል ክሸጡላ እዮም ዝብል ዘረባ ነይሩ። ቤላ-ቤለው ድዩ ሓቂ ዝፍለጥ ኣይነበረን። መለስ “እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ምስ’ዞም ግብጺ ክዛረበሉ ሓሲበ ኣለኹ” ይብለኒ። “ሕጂ ኢና ንብገስ ዘለና፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ጉዳያት እሞ ከኣ ብቐጥታ ዘይምልከተና ንምንታይ ተልዕሎ። ኣብዚ ናይ መጀመርያ ሱታፌና ከምዚ ከተልዕል ዘድሊ ኣይኮነን?” ተባሃሂልና። ንሱ እውን “ሓቅኻ ኢኻ፡  ዘሀውኽ ምኽንያት’ውን የብሉን፣ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ከነልዕሎ ኢና” ኢሉኒ። ካብኡ ናብ ምሳሕ ኬድና፣ ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ሎቢ ኮፍ ኢለ ከለኹ፡ ነዲሩ መጺኡ። እንታይ ደኣ ኴንካ ምስ በልኩዎ “እዋእ ከምታ ዝተረዳዳእናያ ሱቕ ከይብል፡ ንዑመር ሱሌማን ከይደ ረኺበዮ። ከምዚን ከምቲን ይበሃል ኣሎ’ሞ ንምንታይ እዩ ኢለ ምስ ተዛረብኩዎ፡ ብንዕቀት “መን ኢኻ ንስኻ?” ኢሉኒ። ድሓን እዚኦም ከርእዮም እየ፣ ከምቲ ቱርኪ ንሶርያን ዒራቕን ዝገበረቶ…..” ብዙሕ ዘረባታት መጺኡ።

ኣብ ናይ ደርጊ ግዜ፡ ብዛዕባ ማይ ኒል ዝዝክሮ፡ ኣብቲ ናይ ናጽነት ቃልሲ ዓረብ ንኤርትራ ይድግፉዋ እዮም ይበሃል ስለዝነበረ – በቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ግምታት – መንግስቱ እንታይ ዝብል መደረ ገይሩ  ‘ዓረብ ነዳዲ እንተልዩዎም፡ ንሕና ድማ ማይ ኣለና’፣ እዚ ማለት 80% ካብ ማይ ኒል ካብ ኢትዮጵያ ስለዝምንጩ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ (political weapon) ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና ማለቱ እዩ። እዚ ዝብል ዘለኹ፡ ኣብቶም ስርዓታት ዝነበረ ኣተሓሳስባታትን ጸገማትን ንምግላጽ እዩ። ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ እቲ ናይ ኒል ጉዳይ፡ ናይ ጃንዳ ወያነ ጉዳይ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ነዚኣ ጉዳይ ዝደፋፍኡዋ ዝነበሩ መን’ዮም እንተ ተባሂሉ፡ ምስቲ ዝነበረ ዞባዊ ወይ ጎደቦኣዊ ቅልስ ዝበሃል፡ ናይ ግብጺ ተራ ንምድራት ወይ ንምሕናቕ፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ንምቁጽጻር ዝደልዩ ሓይልታት ኣብዚ ዞባን ወጻኢ ካብዚ ዞባን ከምዝነበሩ ናቱ መግለጺታት ኣሎዎ። ኣብ ዝርዝር ክኣቱ ኣይደልን እየ። ግን፡ እዚ ናይ ኒል ዝበሃል ጉዳይ፡ ብናይ ደገ ምድፍፋእ እዩ እቲ ፕሮጀክት ተጀሚሩ።

ካብ 2011፡ ሚለንየም ግድብ ክስራሕ ካብ ዝጅምር፡ መነመን’ዮም ኣብኡ ዘበርክቱ ነይሮም? መነመን’ዮም ዝድጉሙዎ ነይሮም? ብኸመይ መገዲ’ዩ ኣብዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ? ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ፡ ዝተጠናነገ ምትእትታዋት ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ሕጂ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ግብጽን ሽግር እንተ ኢሎምኒ – የዋሃት ምናልባሽ ከምኡ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ ይዀኑ፣ ኣብኡ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን። እቲ ጉዳይ ናይ ፒ.ኣር መቆራቘሲ መኣዲ ኰይኑ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ወይ ድማ ናይ ዝተፈላለዩ ተጋጨውቲ ኣጀንዳታት መሐመሲ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ሽግር ክፍታሕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። ብፍላይ እቲ ግድብ ክዉን (accomplish fact) ይኸውን ስለዘሎ፡ እቲ ጉዳይ ሕጂ ኣጸቢቑ ይጓሃሃር ኣሎ። ስለምንታይ ቅድሚ 5 ዓመት ኣይተላዕለን? ስለምንታይ ቅድሚ 10 ዓመት ኣይተላዕለን? ብሕልፊ ከኣ ስለምንታይ ምስራሕ ክጅምር ከሎ ዘይተላዕለ? ተላዒሉ ነይሩ እዩ ይበሃል፡ ዝተፈላለየ ምስምሳት ይቐርብ’ዩ። ግን ነዚ ንምፍትሑ ብዕቱብ ተላዒሉ ዝተዝርበሉ ኣይነበረን። እቶም ሕጂ ዝዛረቡ ዘለዉ፡ ሽዑ ርዒሞም ትም ዝበሉ፡ ወይ ንዞባውያንን ጎብለላት ወይ ንዓለማውያን ጎብለላት ከሐጉሱ ተቐቢሎሞ ዝነበሩ እዮም። ሕጂ ምስ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ምስግጋር መድረኽ እዩ ዝለዓል ዘሎ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ክፈትሑ ናይ ብሓቂ ድልየት ኣሎዎም እንተኾይኑ’ኸ ብኸም’ዚ ጌርካ ክፍታሕ ይከኣል ድዩ? እዚ ናትና ኣረኣእያ’ዩ፡ ብኻልኦት ቅቡል ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣተሓሕዛ ናይ’ቲ ጉዳይ መፍትሒ ኣይኮነን። ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ክንወስዶ ኢና ዝባሃል ዘረባ፡ ወይ ድማ ኣመሪካ ከም ዓራቒትን ሸምጋሊትን ክንወስዳ ንኽእል ኢና ወይ ካልእ ዝተፈላለየ ዝበሃል. . . ኣነ መናውሒን ነቲ ሽግር ከይተፈትሐ ከም ዝቕጽል ዝገብርን’ዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ናይ ኒል ተፋሰስ ሓደ ካብ ኣቖምቲ ኣካላት ጎዶቦና ስለዝዀነ፡ ጉዳይ ርግኣቱ ዋላ ብቐጥታ ኣይኹን ብተዘዋዋሪ ይጸልወና እዩ። ነዚ ዝገለጽክዎ ድሕረ ባይታ ገዲፍካ፡ ከመይ ገይሩ ክፍታሕ ይከኣል፡ ብቀዋሚ ዝጸንሐ ፖሊስና ኣሎ። እዚ ከባቢ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ 110 ሚልዮን፡ ናይ ሱዳን 40 ሚልዮን፡ ናይ ግብጺ 100 ሚልዮን ህዝቢ እንተወሲኽናሉ፡ 250 ሚልዮን ህዝቢ ዘለውዎ እዩ። ኣብ ዝመጽእ 25 ዓመታት እዚ ቁጽሪ’ዚ ብዕጽፊ ክዓቢ’ዩ። ስለ’ዚ እዞም ጸጋታት ናይ ማይ ዝበሃሉን ካልኦት ጸጋታትን ኣብ ውሽጢ ንመጻኢ ወለዶታት ከገልግል ብዝኽእል ቴኪኒካዊ ገምጋማት ጥራይ፡ እቲ ማይ ከመይ ጌርካ ተተኣኻኽሎ ከመይ ጌርካ ትጥቀመሉ፡ ንጸዓት፡ ንሕርሻ፡ ንዝስተን ንጽርየትን ወዘተ. . . ኮፍ ኢልካ ሓደ ብሓደ ክዝረበሉ ክኽእል ኣለዎ። እንተዘየሎ ኣነ ዘራይ ኣለኒ፡ ኣነ ደጋፊ ኣለኒ፡ እናበልካ፡ እቲ ሓደ ናቱ ናይ ጸወታ ወረቓቕቲ የምጽእ፡ እቲ ሓደ ናቱ ኣዳልዩ ይመጽእ፡ ኣብ ኮለል ምእታው፡ ማዕረ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ስለዘይኰነ፡ ሃዲእካ ናይ ብሓቂ ዕቱብ ፍታሕ ክግበረሉ ኣለዎ። ነዚ ሕጂ ዘሎ 250 ሚልዮን ጥራይ ዘይኰነ ን500 ሚልዮን ከም ዘገልግል ሓሲብካ ስለምንታይ ዘይዝረበሉ። ተክኖለጂታት ከተተኣታቱ ትኽእል፡ ናይ ጸዓት መወሃሃዲታት ከተምጽእ ትኽእል፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ምትሕግጋዝ ንግዳዊን ወፍራዊን መደባት’ውን ክትሓስበሉ ትኽእል። ስለዚ ብኣሃዛት እናተገምገመ እቲ ዝበለጸ ንኹሉ ከርብሕ ዝኽእል ሓደ ፍታሕ ክቐርብ ይግባእ። እንተዘየለ፡ በዚ ሕጂ ዘሎ፡ ናይ ዜናን ህዝባዊ ርክባትን ቅሩቁሳት እቲ ሽግር ክፍታሕ ዘለዎ ዕድል ኣብ ኣድማስ ኣይርአን ዘሎ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ’ዚ ጎዶቦ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ጸገማት እዩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝጎሃሃር ዘሎ ጉዳይ ዶብ’ውን ናይ ብሓቂ ዘስደምም’ዩ። ብኸመይ መጺኡ? ስለምንታይ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ከም’ዚ ኢሉ ማዕቢሉ? ስለምንታይ መመሊሱ ኣርእስቲ ናይ ዜና ይኸውን ኣሎ? ናይ ብሓቂ ዘስክፍ እዩ። ነዊሕ ዓመታት ተንጠልጢሉ ዘጸንሐ ጉዳይ’ዩ። ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ሰልፊ “ሙእተመር ኣልወጠኒ” ብፍላጥ ክጻወተሉ ዝጸንሐ፡ ምስ ጃንዳ ወያነ ይኹን ምስ ካልኦት ዘቀራርብዎም ዝነብሩ ናይ ዓለም ይኹን ናይ’ቲ ዞባ ሓይልታት ተደቓቒሱ ዝጸንሐ ጉዳይ’ዩ። ስለምንታይ ሽዑ ኣይተፈትሐን፡ ንፈልጦ ብዙሕ ዝርዝራት ኣሎ። ስለምንታይ ሕጂ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ምስግጋር ኣብ ዝርከባሉ ግዜ ከም ሽግር ይጎሃሃር ኣሎ። ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከምርሕ’ከ እንታይ ምኽኒት ኣሎ። ህድእ ኢልካ ነቲ ዘጓሃህር ዘሎ ረቛሒታት ምርኣይ የድሊ። ኢድካ ናብ እከለ ወይ ካልእ ምምልካት ትርጉም የብሉን። ክሳብ ክንድኡ ዘረብጽ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። ተወንዚፉ ክጸንሕ፡ መዓልቲ ፈሊኻ ድማ፡ ሃዲእካ ክፍታሕ ዝኽእል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያን ካርቱምን ዝነበሩ ስርዓታት ክጻወትሉ ዝጸንሑ ጉዳይ ስለዝዀነ፡ ንነባሪ ወይ ዘላቒ ፍታሕ እንታይ ክግበር ይከኣል ክሕሰበሉ ኣለዎ። ናብ ረጽሚ ምእታው ንመን የርብሕ? እዚ እውን ካልእ ኣብዚ ጎዶቦ ዘሎ ኣሰካፊ ጉዳይ’ዩ። ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሽግር እውን ኣይኰነን። ጋዜጠኛታት፡ ክኢላታት፡ ፈሊጣት  ኢትዮጵያ ከምዚ በለት ሱዳን ከምዝበለ እናበሉ ዘረሳንዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ግን ምኹኑይ ኣይኮነን። ሃዲእካ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝከኣል እዩ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘባእስ ዝዀነ ምኽንያት የለን። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ናይ ምስግጋር ግዜ እየን ዘለዋ። ቅድሚ ነቲ ምስግጋር ናብ ዝሓሸ ባይታ ከብጽሖ ዝኽእል ኩነታት ይኺድ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ናይ ፈሸጋ ይኹን ካልእ ከባቢታት ጸገም ኮፍ ኢልካ ክፍታሕ ዝኽእል እዩ። ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ዝዓበየ ጉዳይ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና እዩ።

ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ኣብዚ ዞባ፡ ኣተሓሕዛኦም ናይ ባዶ እኩብ ጸወታ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ንሕና ኣብ ከምዚ ጉዳያት ሓደ ቀዋሚ ፖሊሲ ኣለና። ብዘይ ስሰዐ፡ ብዘይ ጸወታ፡ ኣነ ይኸስብ – ንስኻ ትኸስር፡ ካብ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ወጺእካ፡ ኣብ ምቹእ ባይታ ናይ ምርድዳእ ቅኑዕ ኣገባባት ወጺኡዎም ክፍትሑ ዘለዎም እዮም። እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ግን ናይ ብሓቂ ንኣእምሮናን ሕልናናን ጸርፊ ጥራይ’ዩ። ብወገንና ነዚ ጉዳያት’ዚ ክንግደሰሉ ግቡእ’ዩ። ልክዕ እዩ ዓቕሚናን ጽልዋናን ኣይነጋንን፡ ዓቕምና ንፈልጥ ኢና። እቲ ዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ብምዃኑ ግና ጎስኻዮ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ስለ’ዚ፡ ነቲ መሰረታዊ ፖሊሲናን መርሓናን ከም መወከሲ ሒዝና፡ ናይ ፍታሕ ሓሳባትና ነቕርብ። ናይ ሶማል ጉዳይ ይኹን ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ የመን ይኹን ካልኦት ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ ብህድኣት ብቕኑዕ ኣገባብ ፍታሕ ክርከበሎም ዘይክእለሉ መገዲ የለን።

እዚ ሽግራት’ዚ ናይ ደገ ኣጀንዳታት ዝጸልዎን መመሊሱ ዝሕንክሮን፡ ናይ ውሽጢ መጋበርያ ክረክብ እንከሎ ድማ ኣጸቢቑ ዝጉህር ዘሎ ብምዃኑ፡ ተስፋ ዘቚርጽ’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ነቲ ጸገም ብዕምቈት ተረዲእካ ንዝሓየለ ተበግሶታት ዝድርኽ እዩ። ምኽንያቱ ተወንዝፎ ወይ ፍታሕ የብሉን ኢልካ ትገድፎ ኣይኮነን። ግድን ፍታሕ ክርከበሉ ኣለዎ። ኣብ ምፍትሑ ድማ፡ እቶም ቀዳምነታት ክፍለጡ ኣለዎም። ንኣብነት ቀዳምነት ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ፈሸጋ ወይ ጉዳይ ዶብ ድዩ? ኣይኮነን። ነቲ ቀዳምነት ዘይኮነ ጉዳይ ቅዳምነት ሂብካ፡ ካልኦት ቀዳምነታት ኣወንዚፍካ ክፍጠር ዝኽእል ምትሕልላኻት’ከ ተመሊስካ ኣብ ሕላፍ ሰዓት ክእረም ይኽእል ድዩ? ናይ ሕላፍ ሰዓት ፍታሕ ክንጽበየሉ ዘይብልና ሕጂ ብዝሓየለ ንጥፈት ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ምኽንያቱ እዚ ጎዶቦ’ዚ ጥጡሕ ሃዋሁውን ድልዱል ባይታን ከይተመስረተሉ፡ ኣብ ገፊሕ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ክትኣቱ ዝከኣል ኣይኮነን።

Eritrea’s delegation in Sudan

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Highlights of Interview with President Isaias...

Official Commemoration of the 31st anniversary of...

Geothermal Energy in Eritrea

Women in Health care