October 4, 2011

ቃለ-መሕትት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 66 ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ኣብ ኒውዮርክ – ኣመሪካ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን። ምስ መራሕትን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ዝተፈላለያ ሃገራትን ውድባትን ርክባት ከምዘካየደ ዝፍለጥ’ዩ፣ ብዘይካ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ክፍላተ-ሃገር ኣመሪካን ካናዳን ንዝተኣኻኸቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ሰፊሕ ሰሚናር ኣካዪዱ ነይሩ፣ ክቡር ፕረዚደንት ነቲ ዕዉት ዑደት ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ናይ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ቀዳማይ ክፋል እንሆ።-

=> ክቡር ፕረዚደንት። ምስቲ ዘለካ ናይ ስራሕ ጻዕቂ። ነዚ ዕድል ብምሃብካ ከመስግን እፈቱ፣ ብዓለማዊ ኩነታት ምስ እንጅምር። ኣብ መበል 66 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስማዕካዮ መደረ። ዘለናዮ መድረኽ ብኽልተ ኣንፊ ማለት ናብ ዝሓሸ መድረኽ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ ተኽእሎታትን ዕድላትን፤ ግን ከኣ ብመንጽር ዓለምና ዘንጸላልዋ ዘሎ ከቢድ ሓደጋን ሻቕሎትን ክምዘን ከምዘለዎ ገሊጽካ ነይርካ፣ ብዛዕባ’ዚ ክልቲኡ ጫፋት ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተትገልጸልና?

– እወ! ሕጂ እቲ ሓደጋ ርኡይ’ዩ፣ እዚ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዘሎ ኩነታት። ምናልባት ብዓለማዊ ደረጃ እንተርኢናዮ። ናይዚ ክፍለ ዓለማት’ዚ ወይ ናይተን ኣብኡ ዘለዋ ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራት። ኣብ ዓለም ዝጸንሐን ተራ እናተቐያየረ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እዚ ቁጠባዊ ጸገማት’ዚ ዝተዋህለለ’ዩ፤ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን፣ ንመደዓዓሲ ብዝኸውን ግዝያዊ መድሃኒታት ክፍወስ ዝኽእል’ውን ኣይኮነን፣ ምናልባት ኣብተን ከባቢታት እቲኣተን ዘሎ ጸገም። በተን መንግስታት ዝህቀን ዘሎ ፍታሕ ናይ ምንዳይ ተኽእሎታት እናጸበበ እናጸበበ ይኸይድ ስለዘሎ። ናበይ ጎጹ ከምርሕ ከምዝኽእል። ብጭቡጥ “ሓደ ተደመሮ ክልተ” ኢልካ ክትዛረበሉ ዝክኣል ኣይኮነን፣ እቲ ሓፈሻዊ ኣንፈቱ ርኡይ እናሃለወ እንከሎ። እቲ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤናት። ሓደጋታት ኣለዎ፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ከባቢታት ጥራይ ዘይኮነ። ብደረጃ ዓለም’ውን ክንርእዮ እንተዀይና። ኤስያ። ኣፍሪቃ። ማእከላይ ምብራቕ’ውን ከይተረፈ ብኡ ይጽሎ’ዩ፣ ናይ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኩነታት – ምስቲ ዝጸንሐን ዓብላሊ ተራ – ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እናኣተዋ ኣብ ዝኸዳሉ እዋን። እቲ ስክፍታታት መመሊሱ እናለዓለ ከም ዝኸይድ ርዱእ’ዩ፣ እዚ ሕጂ ግዜ ወሲድካ። ንውሕ ዝበለ መደረታት ወይ ትዕዝብትታት ክግበረሉ ዝክኣል ጉዳይ’ዩ፣ በቲ ሓደ ወገን ክንርእዮ ከለና ግን። ዓለም ኣብ ምቅይያር’ያ ዘላ፣ እዚ ዘሎ ዓንዳሪ ኣካያይዳታትን ፖሊሲታትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ከበድቲ ሃስያ ከውርድ ዝጸንሐ ምትእትታዋት ብዝተፈላለየ መልክዑ – ብወተሃደራዊ። ቁጠባውን ፖሊቲካውን ምትእትታዋት – ፈጢሩዎ ዘሎ ጸገማት ደሚርካ። ምስቲ ቅድም ዝገለጽክዎ ተተሓሒዙ ክርአ ከሎ። ኣንፈት ናይ’ቲ ምቅይያር ናበይ ገጹ ምዃኑ ርዱእ’ዩ፣ “እቲ ግዜ መኣስ ክኸውን ይኽእል? ኣብ መንጎ’ቲ ኣንጻር’ተን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ዝቐንዐ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞታትን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላዋትን ከ ኣበየናይ እዋን’ዩ እቲ ተስፋ ዘለዎ ምዕባለ ዝመጽእ?” ንዝብል። እዚ ዝጸንሐ ዓብላሊን ዓንዳሪን ኣካይዳታት ንነዊሕ እዋን ክቕጽል’ዩ ኢልካ ክዝረበሉ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ’ዩ በጺሑ ዘሎ፤ ኣንፈታት’ውን ተጋሂዱ ኣሎ፣ ኣብዚ እቲ ዓቢ ተስፋ ዝህብ። ገጽ ናይ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት’ዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት። ኣብዚ ዝሓለፈ መበል 20 ዘመን ፈጺሙ ኣይተራእየን፣ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ናይ መበል 21 ዘመን ዝኽሰት ዘሎ ስለዝኾነ። ድሕሪ ሓሙሽተ። ዓሰርተ። ዕስራ ዓመታት እንታይ ኮን ክመስል ይኽእል ይኸውን? ኢልካ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ ኣንፈታት እንድሕሪ ርኢኻዮ – እዚ ክልተ ጫፋት ሒዙ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፣

=> ኣብ ዓለም ተኸሲቶም ዘለዉ ግድላት። ኣብ ብዙሕ ዓመታት ዝተዋህለሉን ቅርጺ ዝሓዙን ስለዝኾኑ፤ ብኡ መጠን ብውሁድ ጻዕርን ቅርጻዊ ዕረያን ጥራይ ከምዝፍትሑ ኣዘኻኺርካ ነይርካ፣ ካብተን ዝተንሰኣን ዳግም ዝትንስኣ ዘለዋን ዝበልካየን ሃገራት እንታይ ትጽቢት ይግበር? ዝጠቐስካዮ ቅርጻዊ ዕረያን ስርዓትን ከ እንታይ ዘጠቓለለ’ዩ? ብሓጺሩ። ፍትሓዊት። ምዕርይቲ ዓለም ክንርኢ እንታይ’ዩ ክግበር ዘለዎ?

ካብቲ ቀዳማይ ሕቶ ብዙሕ ዝፍለ የብሉን፣ እቲ ኣንፈት እዚ ዝብሎ ዘለኹ’ዩ፣ ኣውራ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን ንኣስታት 60 ዓመታት – እዚ ሕጂ ዘለናዮ ዓሰርተ ዓመታት ደሚርካ ማለት’ዩ – ሓደ ዓይነት ሓይሊ’ዩ፣ እዚ ከኣ። ንሓንቲ ፍልይቲ ሃገር – ኣመሪካ ወይ ሃገራት ኤውሮጳ – ወሲድካ ክትዛረበሉ ዘይኮነ። እቲ ቀዳማይ ዓለም ዝበሃል ዝነበረ ወይ ዝማዕበለ ዓለም ዝበሃል ዝነበረ። ሕጂ ብሱሩ የለን፤ ብዛዕባኡ’ውን ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ። እቲ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎ ዝመጽእ ዘሎ ምቅይያራት። ናይዚ ቀዳማይ ዓለም ዝበሃል ዝነበረ ዓብላልን ወሳንን ተራ እናተዳኸመ እናተዳኸመ ከምዝመጽእ ገይሩዎ’ዩ፣ ሳልሳይ ዓለም ዝበሃል’ውን ነይሩ፣ ምናልባት ሕጂ እቲ ቋንቋ እናተቐያየረ መጺኡ፣ “ዝምዕብላ ዘለዋ” ወይ “ጌና ዘይማዕበላ ዘለዋ” ዝበሃል ኣሰያይማታት ቀይሩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና፣ “ዝትንስኣ ዘለዋ ሃገራት ግን ብኸመይ’የን ዝትንስኣ ዘለዋ” እንድሕሪ ኢልና። እቲ ቀዳማይ መለክዒ። እቲ ሒዘንኦ ዝኸዳ ዘለዋ ቁጠባዊ ኣንፈት’ዩ፣ እቲ ናይ ቀዳማይ ዓለም ዝበሃል ዝነበረ ዓብላሊ ተራ እናደኸመ እናደኸመ፤ ንሳተን ከኣ እናተንስኣ እናተንስኣ ኣብ ዝኸዳሉ ዘለዋ እዋን። እቲ ምውዳን (ባላንስ) – ካብቲ ጌና ድሕሪት ዘሎ ዓብላልን ዓንዳሪን ሓይልን እቲ ዝትንስእ ዘሎ ሓይልን ይዘብል ወይ “ሽፍት” ይገብር ኣሎ፣ ብደረጃ ዓለም’ውን እተርኢናዮ። እቲ ኣብ ኤስያ ቅድሚ ዕስራ- ሳላሳ ዓመታት ዝነበረ ኩነታትን ሕጂ ዘሎን ከተመጣጥኖ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ኤስያን ዝትንስኣ ዘለዋ ሃገራት ኣለዋ፣ ኣብ ኤውሮጳ’ውን ከምኡ፣ ናይ ሩስያ ምብርባር ኣሎ፣ ሩስያ ካብቲ “ቀዳማይ ዓለም” ዝበሃል ዝነበረ ሓይሊ – ብፍላይ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝበሃል ዝነበረ ቀጽሪ – ዝነበራ ቦታ። ድሕሪ ምፍርኻሽ ናይቲ ቀጽሪ ዘላቶ ኩነታትን ብምንጽጻር ክጥመት እንተዀይኑ። ምናልባት ካብተን ሕጂ ዝትንስኣ ዘለዋ ንብለን ሃገራት ቀዳምነት ሒዛ ክትህሉ ትኽእል’ያ፣ ግን ደሚርካ ክትሰርዓ ከለኻ። ኣብዘን ዓብለልቲ ኮይነን ዝጸንሓ ሃገራት ኣይትስራዕን’ያ – ኣብተን ማእከሎት ዝምዕብላ ዘለዋ’ዩ ደረጃኣ፣ እዘን ከም ሩስያን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣጸቢቐን እናተንስኣ፤ እቲ ዓብላልን ዓንዳሪን ዝነበረ ሓይሊ እናደኸመ፤ እተን ጌና “ይምዕብላ ኣለዋ” ወይ “ኣይማዕበላን ዘለዋ” ዝበሃላ ከኣ ኣብ ዝትንስኣሉ እዋን ዝመጽእ ምውዳን (ባላንስ) ዝፈጥሮ ርግኣት ቀሊል ኣይኮነን፣ “ድራማቲክ” ወይ ኣብ ሓጺር ግዜ ክመጽእ’ዩ ክትብል ኣይትኽእል ኢኻ፣ ግን እዘን ሕጂ ዝትንስኣ ዘለዋ ሃገራት ደው ክብላ ድየን? ወይ ደው ክብላ ትጽቢት ኣሎ ድዩ? እንድሕሪ ኢልካ። ደው ክብላሉ ዘኽእል ተርእዮታት ወይ ተኽእሎታት የለን፣ “እተን ሕጂ ኣብ ቅልውላው እናኣተዋ ዝኸዳ ዘለዋ ጸለውቲ ኮይነን ዝጸንሓ ሃገራትከ ካልኣይ ግዜ ግዝያዊ ፍወሳታት ገይረን ክትንስኣ ይኽእላ ድየን?” እንተ ኢልካ’ውን። ከምኡ ዝእንፍት ምዕባለ የለን፣ ነቶም ዝዛረቡ ዘለዉ ይመስሎም ይኸውን’ምበር። ንሳተን ዳግም ክትንስኣ ወይ በቲ ዝጸንሕኦ ዓንዳርን ዓብላልን ተራ ክቕጽላ ይኽእላ’የን ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን፣

=> ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኸስተ ተበግሶታት፤ ኣብ መንቀሊኡ ዝድረት ዘይኮነ። ኣብቲ “ምዕቡል ዓለም” እውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ቁጥዐን ኢ-ሕባጥን ከምዘሎ ብምግላጽ፤ ሃገራት ናይ ምስትርሓው ግዜ ከምዘይኮነ ተረዲአን ኣቓልቦ ክህብኦን ትኽ-ብትኽ ክርአን ኣዘኻኺርካ ነይርካ፣ እንታይ’ዮም እቶም ሴናርዮታት? ብዝያዳኸ ኣበየናይ ከባቢ ናይ ዓለምና? ሃገራት ክገብርኦ ዝግባእ ከ እንታይ’ዩ?

– እዚ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝተዛረብኩሉ ኣርእስቲ’ዩ፣ ነዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት። ንበይኑ ብጥቁል ኣቢልካ ከም ፍሉይ ተርእዮ ናይ ምውሳዱ ኣንፈታት ግጉይ ኣናብባ ኢዩ – ብእኡ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ “ዓለም ሓንቲ ቁሸት ኮይና’ያ” ኣብ ዝበሃለሉ ኩነታት። ኣብ ሓደ ሃገር። ኣብ ሓደ ክፍለ ዓለም ዘሎ ኩነታት ነንሓድሕዱ ብቐረባ ኣብ ዝጸላለወሉ። ነቲ ዝምድናታትን ኣሰላልፋን በታቲኽካ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ነንሓድሕዱ ተጸላላዊ ስለዝኸውን፣ እዚ ኣብ እዘን “ቀዳማይ ዓለም” ዝበሃላ ዝነበራ ኣዝየን ምዕቡላት ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ እቲ ዝሰፍሐ ህዝብን ኣብ መንጐ እቲ ናይ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ሓይልን ዝነበረ ዝምድና’ዩ ኣብ ረጽሚ ዝኣቱ ዘሎ፣ እቲ ካብ ዝጸንሐ ስርዓት ዘይተጠቃሚ ወይ ከሳሪ ዝበሃል ወገን። ተቓውሞታቱ ብግዜ እናዓበየ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ስክፍታታቱ’ውን ብተመሳሳሊ፣ ዋጋ መነባብሮ እናኸበረ። ሽቕለት እናተሳእነ። ኣፍራይነት እናወሓደ። ዝጸንሐ ናይ ኣህላኽነት ባህልታት ቀጻልነቱ ኣዝዩ እናተሓንቀን እናተደረተን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን። ናይ ህዝብታት ተቓውሞ ብዝሓየለ መልክዑ ይትንስእ ኣሎ፣ ህዝብታት ንቝጠባዊ። ማሕበራዊ። ባህላውን ፖለቲካውን በደል ክጻወርዎ ኣይክእሉን’ዮም፣ ምናልባት። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት። ንብዙሕ ምኽንያታት እቲ ስእሊ ካልእ ክመስል ጸኒሑ’ዩ፣ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ለውጥታት ግን ንበይኑ ተዓጊቱ ደው ዝብል ኣይኮነን፣ ኣብ ኣመሪካታት ብሓፈሻ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ። ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ክዕገት ዝኽእለሉ ምኽንያት የለን፣ ቁጠባዊ በደል ልዕሊ ኩሉ በዚሑ – ካብ ደረት ንላዕሊ ከይዱ፣ ዘይክውንነታዊ ኣረኣእያታትን ኣተሓሳስባታትን ናይዞም ዓብለልቲ ዝበሃሉ ሓይልታት ደረት ኣልቦ ኮይኑ፣ ከም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝኣመሰሉ ወገናት። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ሃልዮም ናታቶም መርበባትን ኔትዎርክን ፈጢሮም ክዕብልሉ ዝጸንሑ ሓይልታት’ዮም፣ ናይዚኦም ላዕሊ-ላዕሊ እናደየብካ ምኻድን ተራኦምን እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ፣ ጽልዋኦምን ሓይሎምን ክምከት ከምዘይክእል እናመሰለ ክኸይድ ጸኒሑ፣ ሕጂ ግን እቲ ዝርአ ዘሎ ምንቁልቋል ንሓድሕዱ ተጸላላዊ ምዃኑ ይገሃድ ኣሎ፣ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ለውጢ ሕጂ። ሃገር ብሃገር ክንርእዮ ንኽእል ኢና፣ ብደረጃ ዓለም ተዛማድነቱ ክንርእዮ ኣለና፣ ምኽንያቱ። ፈሊና ወይ በታቲኽና ክንርእዮ እንተፈቲንና ጽቡቕ ስእሊ ክህበና ኣይኽእልን፣
ኣብ ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ መጺኡ እንድሕር ኢልና። ኣብኡ ዝነበረ ስርዓት ምስዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ዓለማውን ዞባውን ስርዓተ-ዕንደራን ዕብለላን ፈሊኻ ክትርእዮ ትኽእል ኣይኾነን፣ ንሱ ምስ ካልኦት ናይ ግዳም ሓይልታት ተኣሳሲሩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ መርበብ ብኸመይ ተሰሪዑ ክኸይድ ጸኒሑ፤ እቲ ኣብኡ ዝርአ ዘሎ ናዕቢኸ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ – ናይ’ቲ ስርዓትን ናይቲ ሃገርን – ፍሉይ ምዕባለታት ዘምጽኦ ድዩ፤ ኢልና ነጺልና ክንርእዮ ኣይንኽእልን፣ ስለዚ። ቁጠባውን ማሕበራውን በደልን ዘይፍትሓዊ ኣካዪዳን ኣብ ሓደ ሃገር ብዘቤታዊ ዓይኒ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ንኡስ ዞባ ወይ ሓደ ዞባ ወይ ኣብ ሓደ ክፍለ ዓለም ወይ ብደረጃ ዓለም ክትርእዮ ከለኻ። እቲ ክግበር ዘለዎ ለውጥታት። መደዓዓሲ ኣስፕሪን – ፍወሳ ናይ መዘናግዒ – ክትረኽበሉ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ኣብኣተን ጥራይ ስለዝተራእየ። “ኖ! እዚ ናታተን – ናይ በይነን – ሕማም’ዩ፤ ናይ በይነን ሽግር’ዩ” ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ምኽንያቱ። ኣዛውር ኣቢልካ እንድሕር ጠሚትካ። እቲ ኣብአን ዘሎ ኩነታት ወይ ኣብአን ዝጸንሐ ኩነታት። ኣብ ካልእ ከ የለን ድዩ? ካልኦትከ ካብኡ ሓራ ዝወጽኡ ድዮም? ኣብ ካልኦትከ ክድገም ኣይክእልን ድዩ? ኢልካ ምሕታት ከድሊ’ዩ፣ ብሓፈሻ ንማሕበራዊ ፍትሒ ረጊጹ ዝኸይድ ዓብላሊ። ጨፍላቒ። ዓንዳሪ ሓይሊ ንዝተወሰነ ግዜ ክኸይድ ይኽእል ይኸውን፤ ደረት ግን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ። ህዝብታት ንማሕበራዊ በደል ተጻዊሮም ክኸድሉ ዘይክእሉ ደረት ስለዘሎ፣
ኣብ ኣፍሪቃ። ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ንርእዮ ዘለና ኩነታትን እዚ ሕጂ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እናተነሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ኩነታትን መሰረታዊ ፍወሳ እንተዘይተረኺብሉ ሓደገኛ’ዩ፣ ምናልባት ብጽገናታት ከተደናጉዮ ይከኣል ይኸውን’ምበር ጽገናታት እናገበርካ ክትፈትሖ ኣይከኣልን’ዩ፣ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ክንዛረበሉ ዝቐነና ኣርእስቲ’ውን – ንሱ’ዩ፣ እቲ ምንዕዓብ ስለዝመጸ። ንዕኡ ከተተሃዳድእ ኢልካ ዝግበር ጠባሪ ፈተነታት ወይ ከኣ ንዕኡ ክትድህኽ ኢልካ ዝግበር ናይ ሓይሊ ፈተነታት ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ፣ መሰረታዊ ፍታሕ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ፣ ከምዚ ኣቐዲመ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ። ተወራራስነቱን ተወሃሃድነቱን ተማላላእነቱን ክትፈልጥ ክትክእል ኣለካ፣ በታቲኽካ ክትርእዮ ኣጸጋሚ’ዩ፣ ኣነ። እቲ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዚ ተራእዩ፤ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ቀውዒ – ናይ ዓረብ ቀውዒ” ዝብልዎ ሱቕ ኢልካ ንመደናገሪ ባህ ዝበለካ ዓይነት ኣሰያይማ ክትህቦ እንተዘይኮይኑ። ፍሉይን ነቲ ከባቢ ጥራይ ዝምልከትን ተርእዮ ከምዘይኮነ። ዝኾነ ሰብ’ውን ዝስሕቶ ኣይኮነን፣
ይቕጽል

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...