November 13, 2011

ሻብዓይ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ብዓወት ኤርትራ ተዛዚሙ።

ብ9 ሕዳር ዝፈለመ ሻውዓይ ውድድር ሻምፕዮን ቅድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ሎሚ 13 ሕዳር ብዓወት ኤርትራ ተዛዚሙ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 14 ሃገራት ዝተሳተፍኦን ኣስታት 146 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነን ውድድር፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኢል ብርሃነን ተስፋይ ኣብርሃን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ተጓናጺፎም።

ኣብ’ቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣብ ጐደናታት ብምውጻእ ዝተዓዘብዎ ውድድር፣ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ካብ ሓያላት ተቐዳደምቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮን ኣልጀርያን ዝተፈነወሎም ዕረፍቲ ዘይህብ መጥቃዕቲታት ክሳብ መጨረሽታ ዙርያ ድሕሪ ምምካት፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ቅጽበታዊ ውድድር ወርቂን ብሩርን መዳልያታት ዓቲሮም። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቫን ረንስበርግ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ነሓስ ሜዳልያ ተሸሊሙ።

በዚ መሰረት፣ ኤርትራ ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ብናትናኤልን ተስፋይን ከክልተ ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ሓፊሳ።

ኣብ ውድድር ደቀንስትዮ ድማ፣ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቀዳመይትን ካልኣይትን፤ ጓል ማውሪሸስ ድማ ሳልሰይቲ ክወጻ ከለዋ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ወሓዚት ኪዳነን ሰናይት ኣርኣያን ድማ ናይ ሓሙሻይን ሻድሻይን ደረጃ ሒዘን ውድድረን ዛዚመን።

ኣቐዲሙ ብረቡዕ 9 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጋንታ ናይ ክሮኖ ሜተር ውድድር፣ ኤርትራ ወርቂ መዳልያ ክትሽለም እንከላ፤ ብዓርቢ 11 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ውድድር ክሮኖሜተር ድማ ብዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣቢላ ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ምዃና ይፍለጥ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias