December 12, 2013

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ብዓወት ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ
ብዓወት ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ብዓወት ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ብድራር ፍሰሃየ
ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 5 ታሕሳስ 2013 ኣብ ሻርም-ኣልሸክ (ምስሪ) ኣብ ዝተኻየደ 9ይ ሻምፕዮና ቅድድም ብስክለታ ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመታ ጎብለል መላኣ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 9 ታሕሳስ 2013 ምሸት ብዓወት ናብ ሃገራ ተመሊሳ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓትሉ ሰዓት ብኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜጀር-ጀነራል ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ዝምርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስፖርት ኤርትራን፣ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ፣ ኣሰልጠንቲን ቤተሰብ ስፖርትን ንኹሎም ኣባላታ ኣኽሊል ዕንባባ ብምብርካት ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ። ነዛ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ውድድራት ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ድማ ብሰሉስ 10 ታሕሳስ 2013 ድ/ቀትሪ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተበጊሱ ብዓበይቲ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ ሓሊፉ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ ብባህላዊ መደብ ዝተሰነየን ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣፍቃሪ ስፖርት ዝተሳተፎን ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምቕባል ተኻይዱላ ኣሎ።

ኣብቲ ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ኣባላት ፈደረሽን ቅድድም ብስክለታን ማህበረሰብ ስፖርትን ዝተረኽብሉ ድሙቕ ጽንብል ኣብ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሓላፊ ምክትታል ንጥፈታት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክን ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርትን ኮሎ/ሰለሙን ስዩም ተቐዳደምትና ከምቲ ኣብ ምብጋሶም ዓወት ሒዞም ክምለሱና ቃል ዝኣተውዎ ንሃገርን ህዝብን ዘሐብን ዓወት ሒዞም ምምላሶም ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ድሕሪ ምባል ኣብ ቀጻሊ ዘካይድዎ ውድድራት ዓወትን ኣሳልጦን ክገጥሞም ሰናይ ምንዮቱ ብስም ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ኣቕሪቡ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...