July 1, 2012

ሳዋ፣ ሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንምእንጋድ ምድላዋታ ተጻፍፍ ኣላ።

ሳዋ፣ ሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት
ንምእንጋድ ምድላዋታ ተጻፍፍ ኣላ።

ሳዋ፣ “ኣርሒቕና ንጥምት – ዓጸፋ ንስጕም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 13 ክሳብ 15 ሓምለ ንዝካየድ ሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ብምዕሩግ ኣገባብ ንምእንጋድ ኩሉመዳያዊ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍ ከምእትርከብ፣ ጸሓፊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ሳዋ ሌተናል ኮሎኔል ተመስገን ሳሙኤል ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሌተናል ኮሎኔል ተመስገን፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ተሳተፍቲ ዘዕርፉሉን ዝእንገዱሉን ቦታን ቀረባትን ንምውሓስ ሓያለ ንጥፈታት ከምእተሰላሰለ ብምሕባር፣ ኣብ’ቲ ባዛር ዝካየደሉን ብብዝሒ ኣጋይሽ ዝንቀሳቐሱሉን ቦታታት ተወሰኽቲ ናይ ጐደና መብራህቲታት ይትከል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ምስ ምእታው ክራማት – ኣገልግሎት መጓዓዝያ ውሑስ ንምግባር’ውን መስመር ሃይኮታ – ሳዋ፣ ኣቑርደት – ሳዋ ከምኡ ድማ ማእከል ሳዋ ብኩባንያ ህንጻ ሰገን ብምሩጽ ሓመድ ምትዕርራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ዘመልከተ ሌተናል ኮሎኔል ተመስገን፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት ንህዝቢ ካብን ናብን ብስሉጥነት ንምምልላስ ተዳልዩሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ዝተማልአ ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ብምርድዳእ ማእከላት ጥዕና እኹል ምድላዋት ክገብራ እንከለዋ፣ 140 ዓይኒ-ምድሪን መሕጸቢ ሰብነትን ይትከል ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ሌተናል ኮሎኔል ተመስገን ሳሙኤል ኣብ መወዳእታ፣ 64 ኣብያተ-መግብን ኣብያተ-ቁርስን ንዝመጹ ኣጋይሽ ብርትዓዊ ዋጋ ንምእንጋድ ዘድሊ ቅጥዒታት ኣማሊአን ከምዘለዋን ዘድልየን ኣስቤዛ ብትካል ቀረብ መግቢ ሳዋ ከምዝወሃበንን ጠቒሱ፣ ንብቕዓትን ጽሬትን ዝምልከት ምስ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ብምትሕብባር ቀጻሊ ምቍጽጻር ከምዝግበረለን ኣፍሊጡ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ መንእሰያት ዞባ ጋሽ-ባርካ ምድላዋቶም ንሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ከምዝዛዘሙ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ዞባ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ምድላው ፈስቲቫል መንእሰይ ማርቆስ ግርማጼን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሮም ምድላዋት ክገብሩ ምጽንሖም ጠቒሱ፣ ኣብ ያታዊ ጸወታ፣ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ምህዞን ሰንዓን፣ ቍሸት መንእሰያት፣ ያታዊ ቍንጅና፣ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ትምህርታዊ ውድድራትን ምድላዋቶም ከምዘጻፈፉ ኣረዲኡ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...