October 3, 2012

ሳልሳይ ዋዕላ ዕደና ሎሚ 2 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ።

ሳልሳይ ዋዕላ ዕደና ሎሚ 2 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ።

ሳልሳይ ዋዕላ ዕደና ሎሚ 2 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ‘ኣስማራ ፓላስ’ ተኸፊቱ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 6 ጥቅምቲ ዝቕጽል ዋዕላ፣ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ወከልቲ መንግስትታትን ሃገራትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ክነጥፋ ዝጸንሓን ካብ ወጻኢ ዝመጻን ኩባንያታት ዕደናን ዳህሳስን፣ ኣውፈርቲ፣ ክኢላታት ዕደና፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦትን ዝርከብዎም ኣስታት 350 ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንኹሎም ተሳተፍቲ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ኤርትራ – ማዕድናዊ ጸጋታት ሃብቲ መላእ ሃገርን ህዝብን፤ ምርግጋጽ ዘላቒ ምዕባለ ድማ እቲ ቀዳማይን ቀንድን ዕላማ ናይ’ዚ ጸጋ’ዚ ከምዝኾነ ብምምልካት፣ ጽላት ዕደና ከም ደፋኢ ሓይሊ ንምርግጋጽ ዘላቒ ቍጠባዊ ዕቤት ከምዝጥመት ጠቒሱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንማሕበረ-ቍጠባውን ከባብያውን ጽልዋታት ናይ’ዚ ኢንዱስትሪ’ዚ ዓቢ ግምት ከምዝህቦ ገሊጹ።

ሚኒስተር ኣሕመድ ኣስዒቡ፣ ብሓባራዊ ስራሕ ቍጠባዊ ውህደት ‘ዓረባዊ-ኑባዊ ዞባ’ ምስማር፣ ንጽላት ኢንዱስትሪ ዕደና ንዘጋጥሙ ብድሆታት ብምእላይ ሓባራዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ከምዘኽእል፤ እዚ ድማ ናብ’ቲ ሓባራዊ ዕላማ ዝኾነ ምውሓስ ዘላቒ ምዕባለ ከምዝመርሕ ጽኑዕ እምነቱ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ሚኒስተር ማዕድናዊ ጸጋታት ሪፓብሊክ ሱዳን ኣሰይድ ካማል ዓብዱላጢፍን ምኽትል ሚኒስተር ማዕድን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሱልጣን ጃማል ሻውሊን፣ ንተመኵሮታትን ብድሆታትን ሃገራቶም ኣብ ጽላት ዕደናን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን ንተሳተፍቲ መብርሂ ሂቦም።

ብድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ዘለዋ ኩባንያታት ዕደናን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ንንጥፈታተን ብዝምልከት ንዘዳለውኦ ምርኢት ተዓዚቦም።

እዚ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቕጽል ሳልሳይ ዋዕላ ዕደና፣ ዑደት ናብ ቦታታት ዕደናን ካልእ ቦታታትን የጠቓልል።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...