December 31, 2011

ሳልሳይ እብረ ሓድሽ ማሽነሪታትን ኣውቶቡሳትን ናብ ሃገር ኣትዩ።

ሳልሳይ እብረ ሓድሽ ማሽነሪታትን ኣውቶቡሳትን ናብ ሃገር ኣትዩ።

ሳልሳይ እብረ ናይ’ተን ንመደባት ልምዓት ናህሪ ንምውሳኽን ብቕዓትን ስሉጥነትን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምርግጋጽን ክኣትዋ ዝቐነያ ማሽነሪታት ልምዓት፣ ኣብ ህንጸት ጽርግያታት፣ መጓዓዝያ ደረቕ ጽዕነትን ካልእ መደባት ህንጸትን ዝውዕላ መካይን ብ30 ታሕሳስ ናብ ሃገር ኣትየን።

እዘን በብእዋኑ ዝኣትዋ ዘለዋ ዘመናውያን ማሽነሪታትን ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳትን፣ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ቍጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽን ኣብ መላእ ሃገር ዝሰላሰል ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝትግበርን ሰፋሕቲ መደባት ልምዓት መቐይሮ ከምዘምጽኣ ኣየጠራጥርን።

እተን ማሽነሪታት – ኣብ ዝተፈላለዩ ትሕተ-ቅርጻዊ ስርሓት፤ ምህናጽ ዲጋታትን ራህያታትን፤ ምስራሕ ድንድላትን መእለዪ ወሓይዝን፤ ምህናጽ ጽርግያታት፤ ምምዕባል ወደባትን ማርሳታትን፤ ምምዝማዝ ጸጋታት ባሕሪ፤ ምዕባይ ዘቤታዊ ዓቕሚ ንጥፈታት ዕደና፤ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጽን ኣገልግሎታትን መዓልቦ ነፈርቲ፤ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ካልኦትን ስትራተጅያውያን መደባት ዓቢ ድርኺት ከምዝፈጥራ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምትእትታው ዘመናዊ ኣገባባት ማሕረስ ክርአ ንዝጸንሐ ሕጽረታት ቀንጢጠን ኣብ ምስፋሕ ምዕቡል መስኖኣዊ ሕርሻን ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢን ዓቢ ገስጋስ ከምዝህልወን ኣየማትእን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከካይዶ ኣብ ዝቐነየ ቃለ-መሕትት፣ ኣብ ምምዕባል ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፤ ትሕተ-ቅርጺ መጓዓዝያ፤ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፤ ዕደናዊ ንጥፈታት፤ ምስፋሕ ኣገልግሎታት፤ ህንጸት ኣባይቲን ካልእን ኣብ ዝውዕል ናይ ማሽነሪ ዓቕሚ ገዚፍ ወፍሪ ተጌሩ ምህላዉ ገሊጹ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ብርክት ዝበላ ዓበይትን ማእከሎትን ናይ ጽዕነት መካይን፣ ቦጣት፣ መጥፋእቲ ሓዊ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሕርሻ፣ ትሕተ-ቅርጽን ህንጻዊ ስራሓትን ዘጠቓልላ ኣማኢት ዘመናዊ ማሽነሪታት ብወደብ ባጽዕ ኣትየን’የን።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Joint Press Statement between Somalia and Eritrea

President Isaias departs for working visit to...

President Isaias holds talks with Vice Foreign...

President Isaias met and held talks with US...

Eritrean community festival in Riyadh

More diplomatic activities by Eritrean nationals...