April 8, 2011

ሲምፖዝዩም ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ተኸፊቱ።

ሲምፖዝዩም ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ተኸፊቱ።

ሲምፖዝዩም ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኸፊቱ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ሙሳ ራብዓ ኣብ ዘስምዖ መኽፈቲ ቃል፣ እቲ ንክልተ መዓልታት ዝቕጽል ሲምፖዝዩም፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ – ኣብ ኩሉ ጽላታት ንዝተዓመ ንጥፈታት ብምግምጋም፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ክትግበሩ ተወጢኖም ንዘለዉ መደባት ከነጽር ምዃኑ ሓበሩ። ኣቶ ሙሳ ንኣቃውማ’ቲ ዞባ፣ ስፍሓቱ፣ ብዝሒ ህዝቡ፣ ዝውንኖ ጸጋታትን ኩነታት መነባብሮ ህዝቡን ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፣ ኣብ ፈለማ እዋን ናጽነት እቲ ዝርካቡ ቊጠባዊ ትሕዝቶን ትሕተ-ቅርጺን ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ምንባሩ ብምምልካት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት ብዘካየዶ ገዚፍ ወፍሪ ግን፣ ኣብ ህይወት ህዝቢ ሩፍታ ዝፈጠሩ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ከምእተተግበሩን ርኡይ ምዕባለ ከምእተመዝገበን ኣብሪሁ።

“ዕላማ መንግስቲ ኤርትራ ምዕሩይ ዝርግሐ ዕድላትን ማሕበራዊ ፍትሒን ምርግጋጽን’ዩ” ዝበለ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ሙሳ ራብዓ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ብውህደት ህዝብን መንግስትን – ዕድላት ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዘረጋግጹን ድልዱል መሰረት ልምዓት ዘንጸፉን ዳግመ-ህንጻዊ ስርሓት ከምእተሳለጡ ኣነጺሩ።

ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ንዘካየድ ዘሎ ሰፊሕ ዕማም ብናህሪ ንምስጓም ዝተኣታቶ ዘሎ መስኖኣዊ ኣገባብ ኣብቲ ዞባ ብሰፊሑ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ ድማ፣ እቲ ዞባ ንሕርሻ ብዘለዎ ምቹእነት፣ ዓበይቲ ሕርሻዊ ፕሮጀክቲታት፣ ዲጋታት፣ ራህያታትን መእለዪ ወሓይዝን ከምእተሃንጹ፤ 74 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ’ቲ ዞባ ከኣ ተጠቓሚ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኮይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ጐኒ-ጐኒ’ቲ ሲምፖዝዩም፣ ንጕዕዞ 20 ዓመት ናጽነት ኣብቲ ዞባ ዘንጸባርቕ ምርኢት፣ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ’ሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሲምፖዝዩም ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ንዝተሰላሰሉ ዓበይቲ ሕርሻዊ ዕማማት ዝድህስሱ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።ኣብ ንንጥፈታት ሓለዋ ጥዕና እንስሳ፣ ምርባሕ እንስሳን ምምዕባል መጋሃጫታትን ኣተኲሩ ዝቐረበ ወረቐት፣ ጥዕና ጥሪት ንምሕላው ብዝተኻየደ ዕማም ልዕሊ 9.5 ሚልዮን ጥሪት ኣድላዪ ኣገልግሎት ክታበት ክረኽባ እንከለዋ ልዕሊ 7 ሚልዮን ጥሪት ድማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምእተዋህበን ብምንጻር፣ ዘድልየን መግብን ማይን ብቐረባ ንክረኽባ ብዝተገብረ ጻዕሪ’ውን፣ ኣብ ከባቢታት መጋሃጫ 118 ራህያታት ከምእተሃንጻ፣ 214 ሽሕ ሄክታር ድማ ንመጋሃጫ ከምእተሓዝአ፣ እዚ ከኣ ኣብ ምስሳነንን ምስሳን ምህርተንን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ምህርቲ ጸባ ንምዕባይ፣ 240 ምሩጻት ናይ ጸባ ከብቲ ንሓረስቶት ከምእተዓደላን 11 ማሕበር ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ከምዝቘማን ብምምልካት ድማ፣ ምህርቲ መዓርን እንቋቝሖን ንምዕባይ’ውን 182 ሽሕ ጨቓዊትን 3,300 ዘመናዊ ቆፎ ንህቢን ከምእተዓደለ፣ እቲ መጽናዕታዊ ወረቐት ኣብሪሁ።

ኣብ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ዘተኰረ መጽናዕታዊ ወረቐት ድማ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብክረምታዊ ዝናብ ዝለምዕ 230 ሽሕ ሄክታር፤ ብክረምታውን መስኖኣውን ዝለምዕ ድማ ልዕሊ 52 ሽሕ ሄክታር ከምዘሎ ብምንጻር፣ ኣብ ልምዓት ብቚሊ፣ ኣሕምልትን ፍረታትን ዝተዓሙ ዓበይቲ ስራሓት፣ ዝተሓፍሱ ዓወታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

እቲ ወረቐት ኣስዒቡ፣ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ናጽነት ዓመታት እቶት ኣሕምልትን ፍረታትን ብምድንፋዕ ኣብ ውሕስነት መግቢን ምምዕባል ኣግሮ-ኢንዱስትሪን ኣስተዋጽኦ ንኽገብር፤ ከምኡ’ውን ህዝቢ ብሓፈሻ ሓረስቶት ድማ ብፍላይ ብመግቢ ርእሶም ንክኽእሉ ምእንቲ፣ ኣብ ንጥፈታት ቀረብ ዘርኢ፣ ናውቲ ሕርሻ፣ ትራክተርን ስልጠናን ብዝለዓለ ከምእተሰርሓሉን ውጽኢታዊ ምንባሩን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር ከልምዑ ዝኽእሉ 34 መእለዪ ወሓይዝ ከምእተሃንጹ ዝሓበረ መጽናዕታዊ ወረቐት ድማ፣ ብዘይካ’ተን ብደረጃ ሃገር ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለወን ዲጋታት ገርሰት፣ ፋንኮ ጽሙእ፣ ፋንኮ ራዊ፣ ዲጋ ዓሊ ግድርን ኣብ መስርሕ ዝርከብ ዲጋ ባደሚትን፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ሜተር ኪዩብ ማይ ዝኽዝና 6 ዲጋታት ተሃኒጸን የገልግላ ምህላወን ዘርዚሩ።

እቲ ወረቐት ብተወሳኺ፣ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ንምስሳን’ውን ልዑል ጻዕሪ ከም እተኻየደ ብምሕባር፣ ኣስታት 2,600 ሄክታር ዝሽፍን ኣስታት 5.3 ሚልዮን ፈልሲታት ከምእተተኽለን 70 ሽሕ ሄክታር ከምእተሓዝአ ሓቢሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...