May 19, 2011

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተዛዚሙ።

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተዛዚሙ።

“ኤርትራ 20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ኪካየድ ዝቐነየ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ተዛዚሙ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ መዕጸዊ ቃል፣ እቶም ዝቐረቡ ወረቓቕቲ ኣገደስትን ኣሳተፍትን፤ ከምኡ’ውን ታሪኽ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ገምጊምካ ንምስናዱ ዘኽእሉ ምንባሮም ኣብሪሁ።

“ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ህዝባዊ ግንባር ከም ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኪቐውም እንከሎ ዝተመስረተ ብምዃኑ፣ ብዙሕ ተመኵሮታት ቀሲሙ’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ዑስማን፣ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ንዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ መስመሩ ዘነጸረሉ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ዋና ዳይረክተር ሓበሬታ ኣምባሳደር ነጋሲ ሰንጋል ኣብ ዘቕረቦ መጽናዓታዊ ወረቐት፣ ኤርትራ ዞባውን ኣህጉራውን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምሕያል፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ – ብቑዕ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ኣብ ምፍራይ ዓበይቲ ስርሓት ከምዘሳለጠ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ዓቕሚ ሰቡ ንምምዕባል ብዝሓንጸጾ ስትራተጂ መሰረት፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክሳብ ማስተርስ ዲግሪ ዝኸይድ ስልጠናታት ብምውዳብ ዓቕሚ ኣባላቱ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከብ’ውን ኣረዲኡ።

ኣብ’ዚ ካብ 16 ክሳብ 18 ግንቦት ዝቐጸለ ሲምፖስዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ንዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ኤርትራ ምስ ሃገራትን ውድባትን፤ ንመኸተን ኣበርክቶን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፤ ከምኡ’ውን ንትካላዊ ኣሰራርሓን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዝምልከት ወረቓቕቲ ቀሪቡ።

***** ኣ.ዜ.ኤ. *****

Meeting of High Level Committee of Eritrea and...

Senior Eritrean delegation visit to Somalia

إرتريا أرض البحر الحلقة الثالثة ” لعلعة...

Senior Eritrean delegation left for Addis Ababa

Diplomatic activities by Eritreans in Diaspora

President Isaias met and held talks with Saudi...