May 13, 2011

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ ውዒሉ።

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን “ኤርትራ 20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንካልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ንማሕበራዊ ውሕስነትን ጉዳይ ስዉኣትን ዝምልከት ወረቓቕቲ ቐሪቡ።

ንማሕበራዊ ውሕስነት ኣመልኪቱ መጽናዕታዊ ወረቐት ዘቕረበ ሓላፊ ጨንፈር መልዕሎ ኣቶ ሳልሕ ሰብሪ፣  ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ብኣባል ሃገራት ንዝጸደቑ ውዕላት ዝከታትል ምዃኑ ብምምልካት፣ እቲ ዝተሓተ መለክዒ ማሕበራዊ ውሕስነት ዝበሃል ድማ ንናይ ስራሕ ምቁራጽ፣ ዕድመ፣ ሕማም፣ ወረስቲ፣ ወሊድ፣ ስንክልና፣ ካብ ስራሕ ዝብገስ ጉድኣት፣ ሽቕለት ኣልቦነትን መውዕሎ ስድራቤትን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።ብተወሳኺ ንሜላ መልዕሎ፣ ዕድመ፣ ስንክልና፣ ሕማምን ሞትን ዝወሃብ ጥቅምታት፤ ናይ ወሊድ ዕረፍቲን ብመሰረት መሰጋገሪ ሕጊ ምምሕዳር ስቪላዊ ኣገልግሎትን ሕጊ ዕዮን ናይ ጉድኣት ካሕሳን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ንጉዳይ ስድራ-ቤት ስዉኣት ብዝምልከት ድማ ሓላፊ ኣሃዱ ደበስ ስድራ-ቤት ስዉኣት ኣቶ ዓንደመስቀል ተስፋይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰማእታትና ንዝገድፍዎም ስድራ-ቤታት ናይ ምንባይን ምሕብሓብን ዝኣተዎ መብጽዓ ንምትግባር ካብ ዓመተ 2004 ክሳብ 2010 ልዕሊ 2.1 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ክኽፈል እንከሎ፣ ንኣስታት 10 ሽሕ ጠዋሪ ዘይብሎም ስድራ-ቤት-ስዉኣት ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብመንግስቲ ዝወሃቦም ደበስ ብኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ዚጋታት ኣስታት 130 ሚልዮን ናቕፋ ብገንዘብን ዓይነትን ሓገዛት ከምዝተገብረሎም ኣብሪሁ።

ኣቶ ዓንደመስቀል ቀጺሉ፣ ስድራ-ቤት ስዉኣት ንምሕጋዝ ዝተኻየደ ጎስጓስን ውጽኢቱን ብሰፊሕ ድሕሪ ምግላጽ፣ ጽጉማት ስድራ-ቤት ስዉኣት ብዝረኽብዎ ሓገዝ ነብሶም ንክኽእሉ ብዝለዓለ ምስራሕን ብደረጃ ሃገር ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ስድራ-ቤት ስዉኣት ምጽናዕን ገለ ካብቶም ተታሒዞም ዘለዉ ናይ መጻኢ መደባት ምዃኖም ኣረዲኡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ደሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ኣብ ዘቕረቦ ወረቐት ድማ፣ ንመሰላት ቆልዑን ስንኩላንን ምጥባቕ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸጋማት ንዘጋጥሞም ዜጋታት ምኽርን ደገፍን ምሃብ፣ ንግዳያት ማሕበራዊ ሕሰም ምሕዳስ፣ ንዝተጣየሱ ሰራዊት፣ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ፣ ካብ ስደት ዝተመልሱን ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉን ምድጋፍን ምክትታልን፣ ቀንዲ ዕላማታት’ቲ ክፍሊ ምዃኖም ብግቡእ ከምእተሰርሓሎምን ኣብሪሁ።

ኣቶ ምሕረትኣብ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ምኽባር መሰልን ድሕነትን ቆልዑ፣ ተሃድሶን ምጥያስን ስንኩላን፣ ሽማግለታት፣ ኣመንዝራታት፣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕሙማትን ዝተሰላሰሉ ንጥፈታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ብሰፊሕ ድሕሪ ምብራህ፣ ኮም ዝሰረቱ ኣተሓሕዛ ኣብ ኩሎም መደባት ምምዕባል፣ ኣፍልጦ ስድራ-ቤትን ሕብረተ-ሰብን ኣብ መሰላት ቆልዑ፣ ስንኩላን፣ ኣረጋውያንን ካልኦትን ምሕያልን ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ጸገማት ተሳትፎ ስድራ-ቤትን ኮምን ምዕባይን ካብ’ቶም ናይ መጻኢ መደባት ምዃኖም ኣነጺሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...