April 23, 2011

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትርን ተዛዚሙ።

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትርን ተዛዚሙ።

ካብ 20 ክሳብ 22 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ክቃናዕ ዝቐነየ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትሪን ተዛዚሙ።

ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትርን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተ ኣብ ዘስምዖ መዕጸዊ ቃል፣ እቲ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ንጉዕዞ ኣመዓባብላ ጽላት ንግድን ኢንዳስትርን፣ ህሉው ኩነታትን መጻኢ መደባቱን ዝኣመተ ሲምፖዝዩም፣ ጥጡሕ ባይታ መራኸቢ መንግስቲ፣ ኣፍረይቲን ኣህለኽትን ዝፈጠረ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ንኹሎም ኣቕረብቲ መጽናዕታዊ ወረቓቕትን ተሳተፍትን ኣመስጊኑ።ሚኒስተር እስቲፋኖስ ኣስዒቡ፣ መንግስቲ – እዚ ጻላት ኣብ ምሕያል ቁጠባ ሃገርን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ዘለዎ እወታዊ ኣበርክቶ ብምንግዛብ፣  ንምዕባይን ምሕያሉን ሰፋሕቲ መደባት ሰሪዑ፣ ንምዕዋቱ ምስ ኩሎም ማሕበረ-ሰብ ቢዝነስ ብምውህሃድ ዕቱብ ስርሓት ንምዕማም ውጥናት ወጺኡ ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትሪን፣ ንምዕባለታት ጽላት ኢንዳስትሪ፣ ልምዓት ኢደ-ጥበብ፣ ንንጥፈታት ንግዲ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን፣ ትካል ምደባ ደረጃታት ኤርትራን ናጻ ናይ ንግድ ዞባን ዝምልከቱ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም፣ ብተሳተፍቲ ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱሎም።

ንግድን ኢንዱስትሪያዊ ወፍርን ኣብ ናጻ ዞባታት ኤርትራ ኣመልኪቱ መጽናዕታዊ ወረቐት ዘቕረበ – ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ ወደባት ኤርትራ ዶክተር ኣርኣያ ጸጋይ፣ ንመስርሕ ናጻ ዞባን ረብሓታቱን ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርዛር፣ ኤርትራ ናጻ ዞባታት ክትከፍት ምውሳና ቅኑዕን ስትራተጂካውን ውሳኔን ምዃኑ ጠቒሱ፣ ዋላ’ኳ መስርሕ ምቛምን ምትግባርን ናጻ ዞባ ሰፋሕቲ ዕዮታትን ነዊሕ ጊዜን ዝወስድ መስርሕ እንተኾነ፣ ዝማላእ ቅድመ-ኩነት ተመሊኡ ስርሑ ኣብ ባይታ ምስ ዝጅምር፣ ንሃገራዊ ቍጠባ ብናህሪ ኣማዕቢሉ ኣብ ሓጺር እዋን ዝርኤን ዝጭበጥን ውጽኢት ከመዝግብ ዝኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ናጻ ዞባታት ኤርትራ፣ መሰረታዊ ምቅርራባቱ ወዲኡ ኣብ ንጡፍ ምንቅስቓስ ምስ በጽሐ፣ ነቲ “ዘይናጻ” ክፋል ቍጠባ ሃገር ብእወታ ዝጸሉ ዝምድናታት ክህልዎ ከምዝኽእል ዝሓበረ ዶክተር ኣርኣያ፣ “ናጻ ዞባ፣ ወፍርን ናይ ወጻኢ ንግድን ዘደንፍዕ፣ ንቝጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ዘንህር መሳርሒ’ዩ” ክብል ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ሲምፖዝዩም፣ ንጉዕዞ 20 ዓመታት ዝገልጽ፣ ካብ መላእ ሃገር ዝተዋጽኣ 56 ዓበይትን ንኣሽቱን ኢንዱስትርያውያን ትካላት፤ ከምኡ’ውን ትካል ምደባ ደረጃታትን ቤት-ምኽሪ ነጋዶን ዝተሳተፍዎ፣ ኢደ-ጥበባዊ ስራሓት ዘጠቓለለ ምርኢት ንህዝቢ ክፉት ኰይኑ ቀንዩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ ******

»

1 2

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed