April 11, 2011

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን ተኸፊቱ።

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን ተኸፊቱ።

ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ዝቃናዕ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኸፊቱ።

ሚኒስተር መሬት፣ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ መጠን ዕቤትን ቅልጣፈን፣ ልምዓታዊ ዓቕሚ ብምምዕባልን ብምውህሃድን ብዝግበር ስራሕን ምብልሓትን፣ ከምኡ’ውን ብዝምረጹን ዝትግበሩን ስትራተጂታት ዝውሰን ከምዝኾነ ብምምልካት፣ መንግስቲ ዝሓረዮ ስትራተጂ ልምዓት ድማ ንድሌታትን ጠለባትን ህልዊ ወለዶታት ዘማልእን ንዓቕምን ድሌትን መጻኢ ወለዶታት ዘራጕድን ምዃኑ ሓቢሩ።“ንህይወታዊ ብዙሕነትን ኤኮሎጅያዊ ሚዛንን ዘስግኡን ዘቃውሱን ብድሆታት ብዙሓት ምዃኖም ብምግንዛብ፣ ንኣከባብያዊ ድሕነትን ዕቃበን ፍሉይ ግምት ክወሃቦ ይግባእ” ዝበለ ሚኒስተር ተስፋይ፣ ንልዑል ክሊማዊ ለውጢ፣ ፍግረ-መሬት፣ ምስፍሕፋሕ ምደረ-በዳነት፣ ዋሕዲ ዝናብን ምጽንቃቕ ምንጪ ማይን ዘቃልዑ ሕርሻዊ ምዕባለታት፣ ምድኳን ከተማታትን ኢንዱስትርያዊ ንጥፈታትን ምውጋድ ድማ፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ምዃኖም ኣስሚሩሉ።

ሚኒስተር ተስፋይ ኣስዒቡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ብመሰል ተጠቃምነት መሬት ክምርሑ ዝቐረቡ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላሽ ዝተዋህቡ ምምሕዳራዊ መልስታትን ዝተተግበሩ ዕማማትን ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝትመርኰሰ ውሳኔ ንምሃብ ግዜ ስለዘድለየ ምድንጓያት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፤ ህይወታዊ ብዙሕነት ንምዕቃብ ዝተኸለሉ ሕዛእትታትን፤ ምግባት መሬት ንምውጋድ ዝተኻየዱ ቍጽጽራዊ ዕማማትን ዝወጽኡ ቅጥዕታትን መምርሒታትን፤ ገምጋም ኣከባብያዊ ጽልዋኡን ፍቓድን፤ መርኣያ ናይ’ቶም ውሑስ ምሕደራ ጸጋታት ንምርግጋጽ ዝተኻየዱ ጻዕርታት ከምዝኾኑ ኣነጺሩ።

ሚኒስተር መሬት፣ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ ኣብ መደምደምታ፣ ቈጣብን ኣድማዕን ኣጠቓቕማ መሬት ብምዝውታር፣ ኣብ ኣገባብ ማሕረስን ኣቃውማ ሃገራዊ ቍጠባን ምምሕያሽ ምግባር፤ ዘይሕጋዊ ኣገባብ መዓላ ንምውጋድ ምቍጽጻር፤ ምሕደራ መሬት ምሕያል፤ መስርሕ ምድላው ሃገራዊ ካርታ ኣጠቓቕማ መሬት ምቅልጣፍ፤ ዕቃበ ጸጋታት ማይ ከምዝሕይል ምግባር፤ ከምኡ’ውን ልዑል መጠን ምብራስ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ምቍጽጻር፣ ውሁድ ጻዕሪ ዘድልዮም እዋናውያን ዛዕባታት ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ጐኒ-ጐኒ’ቲ ሲምፖዝዩም፣ ንልምዓት መሬት፣ ማይን ኣከባብን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተተግበሩ መደባት፣ ዝነበሩ ብድሆታትን ንድሕነት ኣከባቢ ቀዳምነት ዝህቡ ሜላታትን ዘንጸባርቕ ምርኢት፣ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ክሳብ ረቡዕ 13 ሚያዝያ ዝቕጽል ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፥ ንስርዓተ ትሕዝቶ መሬት፤ መስርሕ ምርሒትን ኣጠቓቕማን መሬት፤ ፖሊሲን ገስጋስን ጽላት ማይን ዝተኻየዱ ዳህሳሳትን ዝተረኽበ ሓበሬታን፤ ቀረብ፣ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ማይ ኣብ ኤርትራ፤ ውሑስ ዕቃበን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ሃብቲ፤ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ፤ ክሊማዊ ለውጥን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን፤ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ቤት-ጽሕፈት ካዳስተርን ዝምልከቱ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ክቐርቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን ተኸፊቱ። 

ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ዝቃናዕ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኸፊቱ።

ሚኒስተር መሬት፣ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ መጠን ዕቤትን ቅልጣፈን፣ ልምዓታዊ ዓቕሚ ብምምዕባልን ብምውህሃድን ብዝግበር ስራሕን ምብልሓትን፣ ከምኡ’ውን ብዝምረጹን ዝትግበሩን ስትራተጂታት ዝውሰን ከምዝኾነ ብምምልካት፣ መንግስቲ ዝሓረዮ ስትራተጂ ልምዓት ድማ ንድሌታትን ጠለባትን ህልዊ ወለዶታት ዘማልእን ንዓቕምን ድሌትን መጻኢ ወለዶታት ዘራጕድን ምዃኑ ሓቢሩ።

“ንህይወታዊ ብዙሕነትን ኤኮሎጅያዊ ሚዛንን ዘስግኡን ዘቃውሱን ብድሆታት ብዙሓት ምዃኖም ብምግንዛብ፣ ንኣከባብያዊ ድሕነትን ዕቃበን ፍሉይ ግምት ክወሃቦ ይግባእ” ዝበለ ሚኒስተር ተስፋይ፣ ንልዑል ክሊማዊ ለውጢ፣ ፍግረ-መሬት፣ ምስፍሕፋሕ ምደረ-በዳነት፣ ዋሕዲ ዝናብን ምጽንቃቕ ምንጪ ማይን ዘቃልዑ ሕርሻዊ ምዕባለታት፣ ምድኳን ከተማታትን ኢንዱስትርያዊ ንጥፈታትን ምውጋድ ድማ፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ምዃኖም ኣስሚሩሉ።

ሚኒስተር ተስፋይ ኣስዒቡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ብመሰል ተጠቃምነት መሬት ክምርሑ ዝቐረቡ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላሽ ዝተዋህቡ ምምሕዳራዊ መልስታትን ዝተተግበሩ ዕማማትን ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝትመርኰሰ ውሳኔ ንምሃብ ግዜ ስለዘድለየ ምድንጓያት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፤ ህይወታዊ ብዙሕነት ንምዕቃብ ዝተኸለሉ ሕዛእትታትን፤ ምግባት መሬት ንምውጋድ ዝተኻየዱ ቍጽጽራዊ ዕማማትን ዝወጽኡ ቅጥዕታትን መምርሒታትን፤ ገምጋም ኣከባብያዊ ጽልዋኡን ፍቓድን፤ መርኣያ ናይ’ቶም ውሑስ ምሕደራ ጸጋታት ንምርግጋጽ ዝተኻየዱ ጻዕርታት ከምዝኾኑ ኣነጺሩ።

ሚኒስተር መሬት፣ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ ኣብ መደምደምታ፣ ቈጣብን ኣድማዕን ኣጠቓቕማ መሬት ብምዝውታር፣ ኣብ ኣገባብ ማሕረስን ኣቃውማ ሃገራዊ ቍጠባን ምምሕያሽ ምግባር፤ ዘይሕጋዊ ኣገባብ መዓላ ንምውጋድ ምቍጽጻር፤ ምሕደራ መሬት ምሕያል፤ መስርሕ ምድላው ሃገራዊ ካርታ ኣጠቓቕማ መሬት ምቅልጣፍ፤ ዕቃበ ጸጋታት ማይ ከምዝሕይል ምግባር፤ ከምኡ’ውን ልዑል መጠን ምብራስ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ምቍጽጻር፣ ውሁድ ጻዕሪ ዘድልዮም እዋናውያን ዛዕባታት ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ጐኒ-ጐኒ’ቲ ሲምፖዝዩም፣ ንልምዓት መሬት፣ ማይን ኣከባብን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተተግበሩ መደባት፣ ዝነበሩ ብድሆታትን ንድሕነት ኣከባቢ ቀዳምነት ዝህቡ ሜላታትን ዘንጸባርቕ ምርኢት፣ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ክሳብ ረቡዕ 13 ሚያዝያ ዝቕጽል ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፥ ንስርዓተ ትሕዝቶ መሬት፤ መስርሕ ምርሒትን ኣጠቓቕማን መሬት፤ ፖሊሲን ገስጋስን ጽላት ማይን ዝተኻየዱ ዳህሳሳትን ዝተረኽበ ሓበሬታን፤ ቀረብ፣ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ማይ ኣብ ኤርትራ፤ ውሑስ ዕቃበን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ሃብቲ፤ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ፤ ክሊማዊ ለውጥን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን፤ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ቤት-ጽሕፈት ካዳስተርን ዝምልከቱ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ክቐርቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...