May 16, 2011

ሲምፖዚዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ተኸፊቱ።

ሲምፖዚዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ተኸፊቱ።

ሲምፖዚዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ሎሚ 16 ግንቦት ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት፣ እቲ ሚኒስትሪ፣ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ንምውሓስ፣ ጸጥታን ምዕባለን ንምርግጋጽ፣ ከምኡ’ውን ኤርትራ ሕፍርቲ ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ንኽትከውን ሓያሎ ስራሓት ከምዝዓመመ ኣብሪሁ።

ኤርትራ፣ ካብ ዘለዋ ኣብ ኣገዳስነት ዞባውን ኣህጉራውን ሰላም ዝተሰረተ ንጹር ራኢ ተበጊሳ፣ ምስ ሓያሎ ሃገራት ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ንምምስራት፣ ሽርክነት ንምዕባይ፣ ወፍሪ ንምስሓብ፣ ንግዳዊ፣ ባህላውን ካልእን ዝምድናታት ንምምዕባል ኣበርቲዓ ክትጽዕር ምጽንሓ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፣ መሰላትን ረብሓታትን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ንምርግጋጽ ኣብ ምጥባቕን ስሉጥ ኣገልግሎት ከምዝረኽቡ ንምግባርን፤ ከምኡ’ውን ተጻብኦታትን ውዲታትን ኣብ ምምካት ዘተባብዕ ዕማም ከምእተሰላሰለ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መወዳእታ፣ ተጐቢጡ ዘሎ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብሕጋዊ መዳይ ምምላስ፤ ውዲታት እገዳ ምፍሻል፤ ዞባውን ዓለማውን ዝምድናታት ምሕያል፤ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ ጻዕርታት ምክያድ፤ ምቹእ ናይ ወፍሪን ንግድን ሃዋህው ብምፍጣር ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ሽርክነት ምድልዳልን፤ ዓቕሚ-ሰብ ምህናጽን ምድልዳልን፤ ከምኡ’ውን መሰላትን ድሌታትን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ንምርግጋጽን ንምምላእን ምጽዓር፣ ካብ ናይ መጻኢ መደባት’ቲ ሚኒስትሪ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ንዞባዊ ዝምድናታት ኤርትራ ምስ ሃገራትን ውድባትን ብዝምልከት ወረቐት ዘቕረበ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዋና ዳይረክተር ምርምርን ሓበሬታን ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ዝተሰረት ድልዱል ዝምድና ንምምስራትን ንምምዕባልን ቀጻሊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ጻዕርታት ከካይድ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ፣ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ማዕርነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝተመርኰሰ ጥዑይ ዝምድና ክምስረት ከምእተኻእለ ኣብሪሁ።

»

1 2

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...