November 14, 2013

ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ባራክ ኦባማ

ሰባት ኣብ ምቕታል
ንፉዕ’የ” ባራክ ኦባማ

ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ባራክ ኦባማፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ብጉዳይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ’ታ ሃገር ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ኣማኸር ኣብ ዝዘራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ “ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ብምባል በቲ ሃገሩ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እናተጠቕመ ኣብ ፓኪስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራትን እተካይዶ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ቅጭጭ ከምዘይብሎ ዘረጋግጽ ዘረባ ወስ ምባሉ ተሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይትሃውስ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ነቲ መስደመም ዘረባ ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ’ዩ ተዛሪብዎ። ጋዜጠኛታት ማርክ ሃልፐሪንን ጆን ሄልማንን ነዚ ዘረባን ካልእ ብባራክ ኦባማ ዝተፈጸመ ጉድለትን ብዝምልከት “ዳብል ዳውን፡ ገይም ቸንጀር” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምሕታም ነቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ይርከቡ። ቤተ መንግስቲ ዋይቲ ሃውስ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ሓበሬታ ኣመልኪቱ መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ። ኣብታ መጽሓፍ፡ ባራክ ኦባማ ንምክትል ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሂላሪ ክሊንተን ንምቕያር ውጥን ከምዝነበሮን ከይተግበሮ ከምዝተረፈን ይጥቀስ። ኣብ 2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተቐበለ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ፓኪስታን፡ ኣፍጋኒስታንን የመንን ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሰፊሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ። PDF

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...