August 11, 2011

ሰራሕተኛታት፣ ንተገልጋላይ ብፍሕሽው ኣቀባብላን ጽፉፍ ኣገባብን ከአንግዱ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ሰራሕተኛታት፣ ንተገልጋላይ ብፍሕሽው ኣቀባብላን ጽፉፍ ኣገባብን ከአንግዱ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ሰራሕተኛታት፣ ንተገልጋላይ ብፍሕሹው ኣቀባብላን ጽፉፍ ኣሰራርሓን ከአንግዱ፣ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ንሰራተኛታት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ ስልጠና መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ነቲ ኣብ ኣወሃህባ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎትን ምሕደራን ዝምልከት ኣስተምህሮ ዝሃበ መምህር ኣማኒኤል ኣርኣያ፣ ሓደ ትካል ንተገልገልቲ ዘዕግብ ኣገልግሎት ምስ ዘቕርብ፣ ጽቡቕ ስምን ብዝሒ ዓማዊልን ከምዝህልዎ ጠቒሱ፣ ኣታዊታቱን ተወዳዳርነቱ እናዓበየ ከምዝኸይድ ኣብሪሁ።

ኣስዒቡ መምህር ኣማኒኤል፣ ሓደ ሰራሕተኛ ትሕትና ዝመልኦ ስሉጥ ኣገልግሎት ከቕርብን ኣብ ስራሕ ንግዜ ብግቡእ ክጥቀመሉን መሰረታዊ መትከል ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ መሓመድ ሓምድ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ሰራሕተኛታት ድልየት ተገልጋሊ ብጽሞና ሰሚዖም ግቡእ ምላሽ ክህቡ ሓላፍነቶም ምዃኑ ጠቒሱ፣ ሰልጠንቲ ንዝተማህርዎ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ተማሕጺኑ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ዝተዋህቦም ስልጠና ጽፉፍን ስሉጥን ኣገልግሎት ንህዝቢ ኣብ ምሃብ ከምዝሕግዞም ዘለዎም እምነት ብምግላጽ፣ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዮም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Joint Press Statement between Somalia and Eritrea

President Isaias departs for working visit to...

President Isaias holds talks with Vice Foreign...

President Isaias met and held talks with US...

Eritrean community festival in Riyadh

More diplomatic activities by Eritrean nationals...