March 30, 2011

ምስጢር ዕቤትን ምዕባለን ስራሕን ጻዕርን ምዃኑ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣልማዕቲ ሓቢሮም።

ምስጢር ዕቤትን ምዕባለን ስራሕን ጻዕርን ምዃኑ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣልማዕቲ ሓቢሮም።

ከይተሓለልካ ምስራሕን ምጽዓርን፣ ዝለዓለ ሕልናውን ጥዕናውን ዕግበት ዝርከቦ ምስጢር ዕቤትን ምዕባለን ምዃኑ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣብነታውያን ኣልማዕቲ ሓረስቶት ሓቢሮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት – ከባቢ ቀርዖበል ወናኒ ጀርዲን ዝኾነ ኣቶ ሙስጣፋ መሓመድ ሳልሕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብትሑት ዓቕሚ ዝጀመሮ ንጥፈታት ጀርዲን፣ ብሓያል ጻዕርን ውህሉል ተመኵሮን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 12 ሄክታር ፍረታት ብምልማዕ ንነብሱን ከባቢኡን ኮይኑ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ “መሬት ብመጠን ዝጸዓርካዮ ዝህብ ምዃኑ፣ ኩሉ ኪግንዘቦ ይግባእ” ክብል ገሊጹ።

ኣቶ ሙስጣፋ ኣስዒቡ፣ ልዕሊ’ቲ ዝረኽቦ መኽሰብ ብዛዕባ ድሕነትን ፍርያምነትን ዘልምዖ መሬት ከምዝግደስ ብምምልካት፣ ብፍላይ ኣብ ገማግም ሩባ ባርካ ካብ ፍግረ መሬት ዘድሕኑ ኣግራብ ከምዝተክል ሓቢሩ።

ኣብ 1997 ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣስታት 5 ሄክታር ንምልማዕ ብሓቦ ዝተበገሰ ሓረስታይ ወልደሚካኤል ገብረመስቀል ብሸነኹ፣ ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕድል ተጠቒሙ ለይተን መዓልትን ብምጽዓር፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ምህርቲ ዝሓፍሰሉ ክሳብ 150 ሄክታር ከምዝውንን ልዕሊ 200 ኣባጊዕን ኣስታት 90 ከብትን የራብሕ ከምዘሎን ብምግላጽ፣ ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋን ምፍጣር ዕድላት ስራሕን ዝምስገን እጃም የበርክት ምህላው ኣነጺሩ።

እዞም ኣብነታውያን ሓረስቶት ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሳላ ዝፈጠረሎም ምቹእ ናይ ስራሕ ዕድል፣ ብጻዕሮም ጽቡቕ ዕቤት ከምዘረጋገጹ ብምጥቃስ፣ ሕርሻ ዘብህግ ግን ከኣ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ፣ ካብ ግብራዊ ተመኵሮኦም ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።

****** ኣ.ዜ.ኤ. ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...