June 2, 2011

ምርግጋእ ክልተ ሱዳናት፣ ንርግኣት መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ምዃኑ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ኣነጺሩ።

ምፍላይ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን፣ ንክልቲአን ሃገራት ጥንቃቐን ዕቱብነትን ኣብ ዝሓትት ወሳኒ መድረኽ ኣእትይወን ብምህላዉ፣ ምርግጋእ ክልቲአን ሱዳናትን ኣብ መንጐአን ዝህሉ ዝምድናን፣ ንቅሳነት ህዝብታተን ጥራይ ዘይኮነ ንርግኣት መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ወሳኒ ብምዃኑ፣ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክም ከምዝኾነ፣ ሰሙናዊ ዝዳሎ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ሱዳናት – ኣብ ተሃዋሲ መድረኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ መሰል ርእሰ-ውሳነ መባድልቲ ዘይብሉ ናይ ኩሎም ህዝብታት መሰረታዊ መሰል ብምዃኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ኣብ ጐድኒ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ደው ከምዝበለ ብምምልካት፣ ንቃልሲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝመርሐ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ዝተቓለሰሉ ዕላማ ምርግጋጽ መሰልን ማዕርነትን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ክሊ ሓድነት ሱዳን ምንባሩ፤ ብውድዓዊ ኣጠማምታ’ውን ህዝብታት ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ክፈላለዩ ንረብሓኦም ከምዘይኮነ፤ ስለዚ ድማ እቲ ዝበለጸ ምርጫ ህዝቢ ደቡብ ከም ቀዳማይ ደረጃ ዜጋ መሰሉን ማዕርነቱን ተኸቢሩ ኣብ ሓዳስ ሱዳን ምስ ዝነብር ጥራይ ምዃኑ፣ የግዳስ – እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ንነዊሕ ዝተቓለሰሉ ዕላማ፣ ብባዕላውን ግዳማውን ረቛሒታት መስመሩ ስሒቱ፣ ነዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ናጤባ ወሊዱ ምህላዉ ኣብሪሁ።

ክልተአን ሱዳናት ይፈላለያ’ምበር፣ ንዝምድናአን ብኣሉታ ክጸልዉ ዝኽእሉ – ፍታሕ ዘይረኸቡ ጉዳያት ብምህላዎም፣ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት’ዚ ከሎ ገና ዓበይቲ ስክፍታታት ምፍጣሩ ከምዘይተረፈ ዝጠቐሰ እቲ ሓተታ፣ ምርግጋጽ ሓድነት ኩሎም ቀቢላታት፣ ምዕሩይ ምቕርሐ ጸጋታትን ጥዑይ ምሕደራን ኣብ ቅድሚ ሓድሽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ተገቲሮም ካብ ዘለዉ ብድሆታት ምዃኖም፤ ዝትከል ስርዓት ድማ ሓርነቱ ዘረጋገጸ ምስ ዘይከውን፣ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንመሰል ርእሰ ውሳነኡ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ትርጕም ከምዘይርከቦን ዓቢ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ናይዚ ከባቢ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ምፍልላይ ሱዳናት ተንጠልጢሎም ዘለው ሕቶታት ብዙሓትን ርዱእ ሻቕሎት ዝፈጥሩን ምዃኖም ዘነጸረ እቲ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተሃዋሲ መድረኽ፣ ፖለቲካውያን ሓይልታት ክልቲአን ሱዳናት፣ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ክውንነት ብምቕባል፣ ናብ ዝሓሸ መኣዝን ዘምርሓሉ ዕቱብን ጥንቁቕን ኣተሓሕዛ ክኽተሉ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ ብርግኣትን ምዕባለን ዞባና ዝግደሱ ወገናት ድማ ብፍላይ ብሃናጺ ጽምዶ ክተሓባበሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ናይ መወዳእታ ኽፋል ስደት...

Ethiopian Airlines to start operation

Ethiopian delegation expressed appreciation for...