April 11, 2011

ማእከል ክንክን ጥዕና ኣደን ህጻንን ኣማተረ፣ ዝምስገን ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ተገሊጹ።

ማእከል ክንክን ጥዕና ኣደን ህጻንን ኣማተረ፣ ዝምስገን ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ተገሊጹ።

ጥዕና ኣደን ህጻንን ንምውሓስ ኣብ ኣማተረ ዝተሃንጸት ማእከል ጥዕና፣ ዝምስገን ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ፣ ኣብታ ትካል ኣገልግሎት ዝረኽባ ዘለዋ ኣደታት ገሊጸን።

እተን ኣደታት ኣብ ዝሃብኦ ርእይቶ፣ ንዝረኽብኦ ዘለዋ ጽፉፍ ኣገልግሎት ብምምስጋን፣ ብዝግበረለን ቀጻሊ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ኣፍልጦአንን መረዳእታአንን ኣብ ሕክምናን ጠንቂታት ሕማማትን ምስፍሑ ጠቒሰን፣ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣደን ህጻንን ልዑል ተራ ከምዘለዎ ሓቢረን።ኣብቲ ማእከል ጥዕና መናቱ ዝተገላገለት ወይዘሮ ኣኽያር ጃበራ፣ ቅድሚ ምሕራሳ ክትትል ተካይድ ብምንባራ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝኾነ ጸገም ከምዘይጋጠማ፤ ድሕሪ ሕርሲ’ውን ዝምስገን ኣገልግሎትን ናብዮትን ከምዝረኸበት ብምግላጽ፣ ኣደታት ንድሕነተንን ድሕነት ዕሸለንን ኣብ ትካላት ጥዕና ክሓርሳ ምዒዳ።

ኣብ’ታ ትካል ጥዕና ንራብዓይ ግዜ ከምዝሓረሰት ዝሓበረት ወይዘሮ ሓሊማ ሓምድ ብወገና፣ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝዋሃብ ምኽርን ማዕዳን ኣብ ኩነታት ጥዕናኣን ጥዕና ደቃን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝረኸበትሉ ኣነጺራ።

ሓላፊ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣደን ህጻንን ኣማተረ ኣቶ ሰመረ በርሀ ብግደኡ፣ እታ ትካል ኣብ ነፍሰ-ጾራትን ህጻናትን ኣተኵራ ከምእትነጥፍ ብምምልካት፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መጥባሕትን፤ ፍወሳ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፤ ኣገልግሎት ወለንታዊ ምኽርን ማዕዳን፤ ኣብ ዕድመ ወሊድ ንዘለዋ ደቂኣንስትዮ ክታበት ምሃብን ጎስጓስን ኣስተምህሮን ምክያድን ዝኣመሰሉ ንጥፈታትን ከምእህብ ኣረዲኡ።

ኣቶ ሰመረ ኣስዒቡ፣ ብጉድለት ጽሬት ንዝመጹ ሕማማት ንምክልኻል፣ ኣብ ከባቢታት እምቤረሚ፣ መዓሽያት፣ እምኩሉን ሕርጊጎን ብኮም ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓይኒ-ምድሪ ከምእተሰርሑ፤ ኣብ ሕጥምሎን ወቒሮን ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ብምብራህ፣ ሕማማ ዓሶ ንምክልኻል ልዕሊ 23 ሽሕ ላሙስያ ከምእተዓደለ ሓቢሩ።

******** ኣ.ዜ.ኤ ********

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...