December 10, 2012

ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ፣ ብጂኦግራፊካዊ ስርዓተ-ሓበሬታ ዘሰልጠኖም 42 ኣባላት ኣመሪቑ።

ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ፣
ብጂኦግራፊካዊ ስርዓተ-ሓበሬታ ዘሰልጠኖም 42 ኣባላት ኣመሪቑ።

ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብጂኦግራፊካዊ ስርዓተ-ሓበሬታ ዘሰልጠኖም፣ ካብ 16 ሚኒስትሪታትን ሽዱሽተ ምምሕዳራት ዞባታትን ዝተዋጽኡ 42 ኣባላት፣ ብ8 ታሕሳስ ኣብ ሆቴል እምባሶይራ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፣ ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ዘለናዮ ናይ ሓበሬታ ዘመን፣ ኮምፒዩተርን መራኸቢታትን ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ብኣዝዩ ዘደንቕ ናህሪ ዝግስግሰሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ፣ ዝሰኣሉን ዝትግበሩን መደባት ኣብ እዋናዊ፣ ዝተማልአን ዘተኣማምንን ሓበሬታ ምስ ዝምርኰሱ ውድዓውነቶምን ኣድማዕነቶምን ከምዝዓቢ ኣብሪሁ።

ኣቶ የማነ ኣስዒቡ፣ ብመንጽር ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ክብርታትን ፖሊሲን መንግስቲ ኤርትራ፣ ቊጠባዊ ዕብየት ንበይኑ ብተናጸል ዝርአ ስለዘይኮነ፣ ዝህነጹ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዕድላትን – ምዕሩይ ጂኦግራፊካዊ ዝርግሐ ክህልዎም መሰረታዊ ምዃኑ ብምምልካት፣ ጂኦግራፊካዊ ስርዓተ-ሓበሬታ፣ ንጽፉፍ ትግባረ ናይዞም መትከላት ዘዕዝዝ መሳርሒ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ ሌተናል ኮሎኔል ጆሜትራ ጌታቸው መርሃጼን ብወገኑ፣ ቅኑዕ፣ እዋናውን ተሓታትነት ዘለዎን ሓበሬታ ምእካብን ምምስራሕን፣ ወሰንቲ ኣካላት ብስነ-ፍልጠት ዝተደገፈ ቅኑዕን እዋናውን ውሳኔ ብተለካዒ መገዲ ንኽወስዱ ዝሕግዝ ስለዝኾነ፣ ኣካላትን ትካላትን መንግስቲ ኩሉ ስራሓት ጸብጻባተን ብጂኦግራፊያዊ ስርዓተ ሓበሬታ ከዳልዋ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፣ ሰልጠንቲ ኣብ ግዜ ትምህርቶም ብደረጃ ምምሕዳር ዞባን ሚኒስትሪን ካብ ዘፍረይዎ ፕሮጀክታት ንምርኢት ኣቕሪቦም።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa