March 15, 2014

ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡ ህዝባዊ ግንባር ንምሕያል ዝሕግዝ ኣኼባ ኣቃኒዑ፣

ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡  ህዝባዊ ግንባር
ንምሕያል ዝሕግዝ ኣኼባ ኣቃኒዑ፣

ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡  ህዝባዊ ግንባር ንምሕያል ዝሕግዝ ኣኼባ ኣቃኒዑ፣ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡ ህዝባዊ ግንባር ንምሕያል ዝሕግዝ ኣኼባ፡ ብ14 መጋቢት፡ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ’ቲ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ኣቃኒዑ፣

እቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባርን መንግስትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ምሕያል ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ መድረካዊ ፖለቲካዊ መደብ ንምብጋስ ምዃኑ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ፣

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐንዐ ተጻብኦን ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራን፥ ዝተራእዩ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ምዕባለታት ብመንጽር ታሪኻዊ ተልእኾ ምህናጽ ሃገር ተዘትይሉ፣ ብተወሳኺ፡ ግዳማዊ ተጻብኦታት ብምልኣት ንምስዓር፡ ድልየትን ሃንቀውታን ህዝቢ ኤርትራ ብዘርዊ መገዲ ኣብ ጉዕዞ ህንጸት ሃገር ንምስጓም፡ ምሕያል ህዝባዊ ግንባርን ንሱ ዝመርሖ ፖለቲካውን ልምዓታውን ስራሕ ወሳኒ ብምዃኑ፡

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ዝካየድ ጭቡጥ መደባት ተዘትይሉ፣

ኣብ’ዚ ኣባላት ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ክፉት ገምጋማዊ ዘተ ክካየድ እንከሎ፡ ብመሰረት ዝተዘትየሉ መደባት፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣኼባታት ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias receives message from Kenyan...

Messages of congratulations

Press Statement – Issue is not the lifting...

Joint Statement of the Bahr Dar Meeting Between...

President Isaias Afwerki on working visit to...

Interview of President Isaias Afwerki with...