March 5, 2013

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ፣ መኸተኦም ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት ብምሕያል ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ፣ መኸተኦም ኣንጻር
ኩሉ ተጻብኦታት ብምሕያል ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ፣ መኸተኦም ኣንጻር  ኩሉ ተጻብኦታት ብምሕያል ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ – – ዓዲ እንግሊዝ፣ መኸተኦም ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት ብምሕያል ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ከምዘዕዝዙ፣ ብ3 መጋቢት ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ ሰሚናር ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ልምዓታዊ ገስጋስ ኤርትራ ንምቝጻይ ንዝካየድ ሸርሕታት ንምብርዓን፣ ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ውዳበን ከምዝጽዕሩ ብምግላጽ፣ መደባት ልምዓትን ህንጸትን ንምድንፋዕ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣነጺሮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ንተሳተፍቲ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ ሓላፍነት ነፍስ-ወከፍ ዜጋን ዘተኰረ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ህዝቢ ኤርትራ – ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣንጻሩ ንዝተኣልመ ውዲታት ብሓያል መኸተኡን ተሪር ሓድነቱን ከምዘፍሸሎ ብምጥቃስ፣ ንቕሓቱ ኣበሪኹን ሓድነቱ ኣትሪሩን ዝግስግን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ መጻኢ ንዝርአ ተጻብኦታት ገጢሙ ከምዝዕወተሉ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣብሪሁ።

ኣብ’ዚ ኤርትራ ኣብ ሓድሽን ዘተስፉን መድረኽ ትኣትወሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ተራሕዩ ንዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀሙሉ ብምዝኽኻር ድማ፣ ጻዕርታቶም ከዛይዱ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ካብ 28 መጋቢት ክሳብ 1 ሚያዝያ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝካየድ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት መብርሂ ከምእተዋህበ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...