April 21, 2011

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርቱም፣ ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ሱታፌኦም ከምዘዕዝዙ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርቱም፣ ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ሱታፌኦም ከምዘዕዝዙ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርቱም – ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ብምዃን ንዝካየድ መደባት ልምዓትን መኸተን ንምድንፋዕ ሱታፌኦም ከምዘዕዝዙ፣ ብ15 ሚያዝያ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ መሓመድስዒድ ማንታይን ሽማግለ መኸተን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ “ናህሪ ልምዓታዊ ገስጋስና ንምትዕንቓፍ ዝካየድ ሸርሕታት ብንቑሕ ተሳትፎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዜጋ ከም ወትሩ ፈሻሊ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ ከም ወትሩ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ኩሉ ካብኣቶም ዝሕተት ንኸማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣነጺሮም።ኣምባሳደር መሓመድስዒድ ማንታይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ህዝቢ ኤርትራ መሳርዑ ኣስሚሩ መደባት ኩሉንትናዊ መኸተ ብኣድማዕነት ንምስልሳል ንዝገብሮ ዘሎ ሓያል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምምጓስ፣ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ሕጋዊ መዕለቢ ስለዝተገብረሉ፣ ንድሕሪት ዝምለሰሉ ጉዳይ ከምዘየለ ኣስሚሩሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ማሕበር ምሕዝነት ሱዳንን ኤርትራን ናይ ደገፍ ቃል ከቕርብ እንከሎ፣ ህዝባውያን ማሕበራትን ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ካርቱምን፣ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ድልውነቶም ንልምዓትን መኸተን ዘረጋግጽ ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ሓሳባትን ሂቦም።

****** ኣ.ዜ.ኤ ****

Ambassador Yohannes holds talks with South Sudan...

Minister Osman Saleh holds talks with Luxemburg...

President of Guinea arrives in Massawa

Official commemoration of Operation Fenkil

President Isaias met and held talks with Mr. Neven...

President Isaias Afwerki Meets Abu Dhabi Crown...