July 8, 2011

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ክውሰን ብኢጋድ ዝወጸ ናይ እገዳ መግለጺ ኮኒኑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ክውሰን ብኢጋድ ዝወጸ ናይ እገዳ መግለጺ ኮኒኑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ነቲ ብ4 ሓምለ ኢጋድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ቁጠባን ዕደናን ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ ኤርትራዊያን ብዝምልከት ተወሳኺ እገዳ ንኽውሰን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘሕለፎ ጻዊዒት ኮኒኑ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉድያት ወጻኢ ኤርትራ ከምዘነጽሮ፣ እዚ ብመሰረቱ ብኢትዮጲያ ተሃንዲሱ ብስም ኢጋድ ዝተመሓላለፈ ጻዊዒት፣ ኤርትራ ንግብረሽበራ ኣብ ምትሕብባርን ዞባዊ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ምፍጣርን ብንጥፈት ትዋሳእ ኣላ ኣብ ዝብል ጭብጥታት ኣልቦ ውጹእ ሓሶትን ጠቐነን ዝተመስረተ ክሲ፣ ኣብ መበል 17 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ብምጉላሕ ንቑጠባዊ ምዕባለን ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኣፍሪቃ ንምዕባይን ንዝጽውዕ ዛዛሚ ውሳኔታቱ ከምዝጻባእን ኣስሚርሉ።

ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐንዐ ውጹእ ተጻባኢ ፖሊሲኣ ብምቕጻል ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንዝተዋህቦ ጉዳይ ዶብ ብምግሃስ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጣ ሒዛ ከምዘላ፣ ንመትከላት ኣህጉራዊ ሕግን ቻርተራት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቓን ብምግሃስ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምእላይ እዉጅ መርገጺ ሒዛ ምህላዋን ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብኢትዮጵያ ንዝተሃንደሰ ዘመተ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ ብምኹናን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዚዎ ዘሎ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጽእ ጻዊዒት ከቅርብ ከምዝግብኦ ጸዊዑ።

*****ኣ.ዜ.ኤ*****

Joint Press Statement between Somalia and Eritrea

President Isaias departs for working visit to...

President Isaias holds talks with Vice Foreign...

President Isaias met and held talks with US...

Eritrean community festival in Riyadh

More diplomatic activities by Eritrean nationals...