February 24, 2013

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ “ብርሃን ውሽጢ” ዘርእስታ ጎስጓሳዊት ፊልም ኣዳልዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ “ብርሃን ውሽጢ”
ዘርእስታ ጎስጓሳዊት ፊልም ኣዳልዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ “ብርሃን ውሽጢ” ዘርእስታ ጎስጓሳዊት ፊልም ኣዳልዩ።ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ “ብርሃን ውሽጢ” ዘርእስታ፣ ኣተሓሳስባ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ተመሃራይ ዘማእከለ ኣገባብ ትምህርቲ ንምዕባይ ዝዓለመት ጎስጓሳዊት ፊልም ብ22 ለካቲት ኣብ ሲነማ ሮማ ኣመሪቑ።

ደራሲ ናይ’ታ ፊልም መምህር ስምኦን ሓጎስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እታ ፊልም ንተማሃራይ ኣብ ዘማእከለ ኣገባብ ኣመሃህራ ዘተኰረት ከምዝኾነት ብምምልካት፣ ተመሃራይ ተመራማሪ፤ መምህር ድማ ኣቐባሊ ዘይኮነስ ኣአንፋቲ ፍልጠት ምዃኑ ንሕብረተ-ሰብ ንምእማን ከምእተዳለወት ገሊጹ።

ነታ ፊልም ዝኣለየ ስነ-ጥበበኛ ሰለሙን ድራር ብወገኑ፣ ንተመሃራይ ዘማእከለ ኣገባብ ኣመሃህራ ኣድማዕነቱ ዘየካትዕ ክንሱ ከምቲ ዝድለ ክስጕም ከምዘይጸንሐ ብምጥቃስ፣ እዛ ፊልም ነቲ ዘየካትዕ ፍልስፍና ኣመሃህራ ናብ ተመሃሮ፣ መምህራንን ወለድን ንምስራጽ ዝዓለመት ምዃና ሓቢሩ።

ብቋንቋታት እንግሊዝን ዓረብን ናይ ጽሑፍ ትርጕም ተገይሩላ ዘሎ ፊልም ‘ብርሃን ውሽጢ’፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ተመሃሮ ከምዝዕዘብዋ ክግበር፤ ከምኡ’ውን ናብ ካልእ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ክትዝርጋሕ ምዃና፣ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...