May 8, 2011

ሚኒስትሪ ቱሪዝም፣ ንኤርትራ ብደረጃ ኣህጉር ተባሃጊት ስፍራ በጻሕቲ ንምግባራ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ቱሪዝም፣ ንኤርትራ ብደረጃ ኣህጉር ተባሃጊት ስፍራ በጻሕቲ ንምግባራ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኤርትራ እትውንኖ ጸጋታት ቱሪዝም፣ ብግቡእ ብምፍላጥን ኣገልግሎታት ብምርግጋጽን ብደረጃ ኣህጉር ተባሃጊት ሰፈር በጻሕቲ ንምግባራ፣ ቀጻልነት ዘለዎ ውሑስ ናይ ቱሪዝም ንጥፈታት ንምስልሳል ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ፣ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ክፍልታት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ገሊጾም።

ብምኽንያት ብ7ን 8ን ግንቦት ዝካየድ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፣ እቶም ሓለፍቲ፣ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣርን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምኽዕባትን ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ ወሲዱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ቱሪዝም ንምህንጻ፤ ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ንምዅስኳስ፤ ኣብ ገጠርን ከተማታትን ዘሎ ጸጋታት ቱሪዝም ንረብሓ ኩሉ ዜጋ ከም ዝኸውን ንምግባርን ካልእን ከቢድ ስራሕ ከምዝዓመመ ሓቢሮም።

ዋና ዳይይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኣቶ መሓመድ እድሪስ ኢብራሂም፣ ሳላ ዝተኻየደ ጻዕሪ፣ እተን ዝጸንሓ ትካላት ቱሪዝም ጽፉፍ ዝኾነ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ደረጃ ምዕባለ ክብጻሕ ከምእተኻእለ ጠቒሱ፣ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ብዝተሰላሰለ ዕዮ’ውን ድሙቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ግቡእ ትምህርትን ስልጠናን ዝቐሰሙ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉን ኣረዲኡ።

ንዝተገብረ ወፍሪ ኣመልኪቱ ድማ፣ ኣቶ መሓመድ እድሪስ፣ ኣብ’ዚ 20 ዓመታት ናጽነት ዓቢ ናይ ሽቕለት ዕድል ዝኸፈተ ኣብ ሆቴላትን ቤት-መግብን ዘተኰረ 67 ፕሮጀክትታት ጸዲቑ ከምእተተግበረ ኣብሪሁ።

“መሰረታዊ ረቛሒ ንማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ፣ ሰብኣዊ ጸጋ’ዩ” ዝበለ ሓላፊ ጨንፈር ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ስልጠናን ኣቶ ተኽለ ፍረዝጊ ብወገኑ፣ ኣብ’ቲ ጽላት ዝነጥፍ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ብመልክዕ ሰሚናራትን ስሩዕ ትምህርትን ስልጠናታት ክወሃብ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1998 ምስ ምኽፋት ማእከል ስልጠና ሆቴላትን ቱሪዝምን – ብኣቀባብላ ኣጋይሽ፣ ምስሳይ፣ ምቍጽጻርን ምሕደራን መግብን መስተን፣ ምድላው መግቢ፣ ከምኡ’ውን ምልላይ በጻሕቲ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሞያውያን ከምዝሰልጠኑ ብምሕባር፣ ምስ ምኽፋት ኮለጅ ቢዝነስን ቍጠባን ድማ ካብ 2005 ናይ ዲፕሎማ ፕሮግራም ከፊቱ ድሮ ክልተ ዙርያ ከምእተመረቑ ኣነጺሩ።

“ኤርትራ ውህደት ብዙሕነት ብሄራት ዝንጸባረቓ ሃገር’ያ” ዝበለ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዳይረክተር ጨንፈር ፕሮሞሽን ኣቶ ሓገስ ወልዱ ብወገኑ፣ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዋን ሓያሎ ታሪኻውን ጥንታውን ቦታታትን ቅርስታትን እትውንን ከምምዃና መጠን፣ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ዘለዋ ዕድላት ርሒብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ሓጐስ ወልዱ ንዕድላት ቱሪዝም ኣብ ሃገርና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ባህሪያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ንምዕባለን ዕቤትን ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኣገዳሲ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ስኒትን ምንብባርን ህዝባን ዘለዋ ሰላምን ርግኣትን ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

***** ኣ.ዜ.ኤ. *****

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...

President Isaias Afwerki and Prime Minister Abiy...

President Isaias Afwerki left for Saudi Arabia

President Isaias met and held talks with Egyptian...