December 26, 2012

ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣ ኣብ 26 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘዋደደ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣
ኣብ 26 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ
ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘዋደደ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣  ኣብ 26 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ  ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘዋደደ ሓቢሩ።ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን፣ ኣብ ዓመተ 2012 ኣብ 42 ዓድታት ፕሮጀክትታት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምስልሳል ብዘካየዶ ጻዕሪ፣ ኣብ 26 ዓድታት መደባቱ ከሳልጥ እንከሎ፣ ኣብ 16 ዓድታት ዝተጀመረ ዕዮ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ብምውህሃድ ህዝቢ፣ መንግስትን መሻርኽትን ዝተዋደደ ፕሮጀክትታት ማይ፣ ብማሽን፣ ድሪልን ኢድን ዝተዃዕታ ዒላታት፤ ባስካታት፤ መዐደሊ ንቑጣታትን ምዝርጋሕ ሻምብቆታት ማይን ከምዘጠቓልል ዘመልከተ’ቲ ሓበሬታ፣ ካብ’ቲ ፕሮጀክትታት ኣብ 20 ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ክትከል እንከሎ፣ 6 ብጀነረይተ ከምዝሰርሓ ኣነጺሩ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ነበርቲ ናይ’ተን ዓድታት ብጉልበቶምን ገንዘቦምን ዝገበርዎ ተሳትፎ ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ ስራሕ ልዑል ተራ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፣ በዚ ፕሮጀክትታት ህዝቢ ተጠቃሚ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ክኸውን ከምዘብቕዐ ኣፍሊጡ።

ነቲ ፕሮጀክትታት ዘድሊ ንብረት ምስ ተቐረበ ገለ ዞባታት ንምጅማሩ ብንጥፈት ክዋስኣ እንከለዋ፣ ገለ ዞባታት ግን ስለዝተደናጐያ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ግዜኡ ክዛዘም ከምዘይከኣለ ብምንጻር ድማ፣ ምድንጓያት ዘኸትሎ ሳዕቤን ብምግንዛብ፣ ምምሕዳራት ብኣጋ ኣብ ምስልሳሉ ክነጥፋ፣ እቲ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዋደደ ፕሮጀክትታት ማይ ዕቱብ ኣተኣላልያ፣ ግቡእ ፍተሻን እኹል ጽገናን ክግበር ከምዝግባእ ኣመልኪቱ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ዓመተ 2013 ኣብ 16 ዓድታት ፕሮጀክትታት ማይ ክዋደድ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...

National Association of Public Health Founding...