April 7, 2011

ሚኒስተር ዑስማን ኣብ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ተተካኢ ጸዓት ተሳቲፉ

ሚኒስተር ዑስማን ኣብ  ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ተተካኢ ጸዓት ተሳቲፉ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ  ዑስማን ሳልሕ። ካብ 3 ክሳብ 5 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣቡዳቢ – ሕቡራ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተቓንዐ ቀዳማይ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ተተካኢ ጸዓት ተሳቲፉ፣ ኣብቲ ወከልቲ ልዕሊ 148 ሃገራትን ሓሙሽተ ኣህጉራውያን ውድባትን ዝተሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ። ብዛዕባ ጠንቅን ሳዕቤናትን ክሊማዊ ለውጢ፤ ብዝሒ ጠለብ ጽዓትን ውሱንነት ቀረብን፤ ብከላ ኣየርን ሳዕቤናቱን፤ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ተራ ተተካኢ ጸዓት ኣብ ምዕባሌ ህዝብን ምርግጋእ ዓለምን ንጽህና ኣከባቢን ክዝተ እንከሎ። ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ከምእተበጽሐ። ካብ’ቲ
ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ። ባይቶ ኣህጉራዊ ትካል ባይቶ ኣህጉራዊ ትካል ተተካኢ ጸዓት ብ5 ሚያዝያ ብወግዒ ተመስሪቱ፣ ኤርትራ ድማ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኣህጉራዊ ትካል ተተካኢ ጸዓት ክትከውን ብምሉእ ድምጺ ተመሪጻ

Ambassador Yohannes holds talks with South Sudan...

Minister Osman Saleh holds talks with Luxemburg...

President of Guinea arrives in Massawa

Official commemoration of Operation Fenkil

President Isaias met and held talks with Mr. Neven...

President Isaias Afwerki Meets Abu Dhabi Crown...