April 16, 2013

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ምስሪ መሓመድ ሙርሲ ኣብጺሑ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት
ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ምስሪ መሓመድ ሙርሲ ኣብጺሑ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት  ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ምስሪ መሓመድ ሙርሲ ኣብጺሑ።ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ፣ ብ15 ሚያዝያ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ምስሪ ዶክተር መሓመድ ሙርሲ ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልተአን ሃገራት ዘገድሱ ጉዳያትን ዘተኰረ’ዩ።

ፕረዚደንት ሙርሲ፣ ምምዕባል ዝምድና ኤርትራን ምስሪን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ራህዋን ብልጽግናን ብምምናይ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምስሪ ወግዓዊ ምብጻሕ ንኽፍጽም ዕድመ ኣቕሪቡ።

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ምስሪ መሓመድ ካምል ዓምሩ ብምርኻብ፣ ኣብ ምድንፋዕ ቍጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብሰፊሑ ከምእተመያየጡ፣ ካብ ከተማ ካይሮ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ምሕያል ዝምድና ኤርትራን ምስሪን ኣብ ምስፋን ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝጠቐሰ፣ ሚኒስተር መሓመድ ካምል ዓምሩ፣ ሃገሩ ነዚ ብዕቱብ ከምእትሰርሓሉ ኣረጋጊጹ።

******* ኣ.ዜ.ኤ ******

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 3

President Isaias’ Speech on Martyrs Day

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...