June 11, 2011

ሚኒስተር ሕርሻ፣ ገስጋስ ሕርሻዊ መደባት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓዚቡ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፣ ገስጋስ ሕርሻዊ መደባት ዞባ ጋሽ-ባርካ ንምዕዛብ፣ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሃይኮታ፣ ተሰነይን ጎልጅን ዑደት ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ኣረፋይነ፣ ኣብ ኣለቡ ብሚኒስትሪ ሕርሻን መሻርኽቱን ብልዕሊ 18 ሚልዮን ናቕፋ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓት ነጠብጠባዊ መስኖ ብምብጻሕ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ድሕሪ ምዕዛብ፣ ብጽፈት ብዝቐልጠፈ ብዛዕባ ዝዛዘመሉ ኣገባብ ምስ ኣተግበርቲ ናይቲ ስራሕ ተመያዪጡ።

እቲ ዝኸበደ ዕማም ናይ’ቲ ፕሮጀክት ከምዝተዛዘመ ዝሓበሩ ኣካየድቲ ናይቲ ስራሕ፣ ብመሰረት’ቲ መደብ ኣብ 40 ሄክታር ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺ ተዋዲዱ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ 160 ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ነፍሲ-ወከፎም ርብዒ ሄክታር ብምልማዕ እቶታውነቶም ንምምሕያሽ ዕላማ’ቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊጾም።

ሚኒስተር ኣረፋይነ ቀጺሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዛዘመት ዲጋ ዓሊግድር ብምብጻሕ፣ ዝያዳ ውሕስነት ምእንቲ ክህልዋ፣ ተሪፉዋ ዘሎ ናይ ምርብራብ እምኒ ስራሕ ብዛዕባ ዝማልኣሉ፣ ምስ ኣካየድቲ ናይቲ ስራሕ ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ኣረፋይነ ብድሕሪ’ዚ ናብ ገርሰት ብምቕናዕ፣ ሎሚ ዓመት ክራማት ንኽለምዕ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ መሬትን ተዋዲዱ ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺን፣ ከምኡ’ውን ሕርሻ ቃንጫ ሽኮርን ጡጥን ተዓዚቡ።

ሚኒስተር ኣረፋይነ በርሀ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ኣለቡ ተደኲኑ ዘሎ ኮርፖረሽን ጥሪት ኤርትራን ናይ መጻኢ መደባቱን ምስ ኣካየድቲ ስራሕ ዘትዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ገስጋስ ልምዓታዊ መደባት’ቲ ዞባ ንምዕዛብ ዑደት ዘካየዱ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝተሰላሰለ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፣ ኣብ ጽላታት ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻን መጓዓዝያን ተሳሊጡ ዘሎ ድማ ብፍላይ፣ ድልዱል ሰረት ንብልጽግቲ ኤርትራ ከምዝኾነ፣ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

እቶም ልዕሊ 60 ኣባላት ኣብ ትዕዝብቶም፣ እቲ ዞባ ዘተኣማምን ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጽን ዘመናዊ ማሽነሪታትን ዓጢቑ ብምህላው፣ እቲ ገዚፍ ባጀት ዝሓተተ ወፍሪ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዕወት ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ንሳቶም፣ ኣብ ኣለቡ ዝተደኰና ፋብሪካታት፤ ኣብ ምስባሕን ምርባሕን ጥሪት ዝነጥፍ ዘሎ ኮርፖረሽን ጥሪት ኤርትራ፤ ምስ ክሊማ ዝሳነን ርትዓውን ኣባይቲ ንምህናጽ ዝትከል ዘሎ ፋብሪካ ሰፍነግ፤ ፋብሪካ ምድላው መግቢ እንስሳ፤ ከምኡ’ውን ዲጋታት ፌስኮ፣ ፋንኮን ገርሰትን በጺሖም።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

The Guardian-Passive conduit of anti-Eritrea...

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...