June 27, 2011

መጻኢ ኤርትራ ብሩህ ምዃኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ዝተሳለጠ ስራሕ ድማ ነዚ ከምዘረጋግጽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ጋዜጣ ኣልኣህራም ኣብ ዘካየዶቃለ-መሕትት ገሊጹ።

መጻኢ ኤርትራ ብሩህ ምዃኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ዝተሳለጠ ስራሕ ድማ ነዚ ከምዘረጋግጽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ጋዜጣ ኣልኣህራም ኣብ ዘካየዶቃለ-መሕትት ገሊጹ።

መጻኢ ኤርትራ ብሩህ ምዃኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ዝተሳለጠ ስራሕ ድማ ነዚ ዘረጋግጽ ጕሉሕ ውጽኢት ከምዝኾነ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ጋዜጣ ኣልኣህራም ናይ ምስሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣብ ጕዕዞ ናጽነት ኤርትራ፤ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታን ሃገራት ዞባናን፤ ኩነታት ሱዳንን መጻኢ ኣመታቱን፤ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ኣተሓሕዛኡ ንጉዳያትን፤ ፍንው ምልዕዓላት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኢድ ግዳማውያን ሓይልታትን፤ ጉዳይ ማይ ኒልን ኣፈታትሓኡን ዘተኰረ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኤርትራ ኣብ 20 ዓመታት ዕድመኣ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር፣ ዘላቒ ቍጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ – ኣብ ጽላታት ሕርሻ፣ ትሕተ-ቅርጺን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ድልዱል መሰረት ተነጺፉ ከምዘሎ ብምምልካት፣ እዚ ድማ ምስ ርኽበት ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝግበረሎም ግቡእ ምሕደራን፣ ንመንኰርኰር ጕዕዞ ምዕባለኣ ከምዘቀላጥፎ ሓቢሩ።

ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ እትውንኖ ነዊሕ ገማግም፣ ዓመታዊ ክሳብ 120 ሽሕ ቶን ዓሳ ክትገፍፍ ከምእትኽእል፤ እዚ ንመላእ’ቲ ዞባ ከርብሕ ዝኽእል ጸጋ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብግቡእ ከምዘይተመዝመዘ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምስ ምስሪ ንምትሕብባር ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይተዓወተ፤ ሕጂ’ውን ኣብ መንጐ ኤርትራ፣ ምስሪ፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ክህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ንደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዝተሓተተሉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንምርግጋጽ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ክትሰርሕን ክትመኻኸርን ምጽናሓ ጠቒሱ፣ “ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፣ ተስፋና ኣብ መንጐ ክልተ ሱዳናት ሰናይ ጕርብትናን ዝምድናን ክህሉ፤ እቲ ዝተረፈ ሰሜን ሱዳን ድማ ርግእትን ሓድነትን ክሰፍኖ’ዩ” ኢሉ።

ራኢኡ ኣብ ምቕርሐ ማይ ኒልን ኣብ መንጐ ሃገራት ተፋሰስ’ቲ ፈለግ ዝህሉ ዝምድናን ኣብ ዝተሓተተሉ ድማ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ማይ ፈለግ ኒል ንህልው ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ ንዝመጽእ ወለዶታት’ውን ዝኣክል ሃብታም ከምዝኾነ፤ ስለዚ ድማ ምንጪ ገነት ኣብ መሬት እምበር ጠንቂ ምትፍናንን ግጭትን ክኸውን ከምዘይግባእ ብምሕባር፣ ሃገራት’ዚ ዞባ እቲ ዝሓደሰ ተክኖሎጂ ተጠቒመን ንምትሕብባርን ቍጠባዊ ውህደትን ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ዓረባዊ ዓለምን ሰሜን ኣፍሪቃን ንዝተኸስተ ፍንው ምልዕዓል ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናታ ክውንነት ከምዘለዋ፤ ከም ኣብነት ድማ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ምስሪ ዝተራእየ ምልዕዓል ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተዋህለለ ቍጠባዊ፣ ዘይምዕሩይ ምቕርሐ ጸጋታትን ካልእን ሽግራት ምዃኑ ብምሕባር፣ “ይኹን’ምበር፣ ኣብ’ዚ ጕዳይዚ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዞባውን ኣህጕራውን ሓይልታት ከምዘለዉ ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...