September 7, 2013

መደባት ስፖርት

መደባት ስፖርት

መደባት ስፖርትካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም 2013 ሞሪሽስ ኣብ ዝተካየደ መበል 11 ሻምፕዮን ጁንየር ኣትሌታት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ሰሉስ 3 መስከረም 2013 ንሃገራ ትመሊሳ።

እታ ብሓሙሽተ ኣትሌታት ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ብሓለፍቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ምዉቕ ኣቀባብላ ክግበረላ እንከሎ፣ ኣብቲ ናይ ሞሪሸስ ኣህጉራዊ ውድድር ኣብ 1500ሜ. ብኣትሌት ብርሃነ ኣማኑኤል ኣብ ውድድር 3000ሜ. ስቴፕል-ቼዝ መበል 4ይ፣ ብኣትሌት ኣብርሃም ጸጋይ ኣብ 1500ሜ. መበል 5ይ ፣ ብኣትሌት ሃብቶም ወልዳይ ኣብ 5000ሜ. መበል 5ይ ደረጃታት ሒዛ ውድድራ ምዝዛማ ነታ ጋንታ መሪሑ ዝከደ ኣሰልጣኒ ሊቪንግስቶን ኣብርሃም ገሊጹ።

ንሱ ወሲኩ እታ ናይ ጁንየር ኣትሌታት ሃገራዊት ጋንታ ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድድር ንፈለማ ግዜ ብናይ ፊልድ ኢቨንት ውድድራት ምስታፋን ንመጻኢ ዘተስፉ ተወዳዳርነት ምንጽብራቓን ብምጥቃስ፣ ንመጻኢ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳደርቲ ኮይንና ክንቀርብ ዞባታት ኣብቲ ዓውዲ ዝዋስኡ ኣትሌታት ንምፍራይ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ኣሰልጠንቲ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘተኮረ ዘመናዊ ስልጠናታት ውድድራት ፌልድ ኢቨንትስ ዝረኽቡሉ ሰፊሕ ባይታ ክፍጠር ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ጻዕርታቱ ከዛይድ ኣዘኻኪሩ።

ዕለት፣- 04-09-2013

ህዝባዊ ርክባት
ኮምሽን ስፖርት ኤርትራ

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ