February 12, 2014

መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ተዛዚሙ

መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ተዛዚሙ

መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ተዛዚሙ

ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ከተማ ከለን ብዕለት 3 ታሕሳስ መዓልቲ ስንኩላን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ እዋናቱ ከተግብርኦ ስለዘይጠዓመን ብ11.01.14 ግን ምስ ውዳቤታት ከተም ከለንን ብምትሕብባር ሰፊሕ ተስትፎ ኤርትራውያን ነባሮ ከተማ ከለንን ከባቢኣን ዘነበሮ ዕዉት መደብ ኣካይደን። እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ንኡስ ጨንፈር ጀረመን ኣብ በብከተምኤን ዘካይድኦ ንስንኩላን ኤርትራውያን ካብ ማሕበራዊ ጸገም ንኽገላገሉ ኣብ ውሽጣ ብዝገበረቶ ሰፊሕ መረዳእታን ስምምዕን መሰረት ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚራ ኣብ ን/ጨንፈር ሃ.ማ.ደ.ኤ.ዝርከብኦ ከተማታት 3ታሕሳስ መዓልቲ ስንኩላን ብምዝካር ኣብታ ዕለት ዝተረኽበ ኣታዊ ንስንኩላን ዝውፈ እዩ። እዚድማ ኣብቲ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራውያን ኣብ ሽቱትጋርት ጀርመን ምስቲ ብመንግስቲ ኤርትራን ብማሕበር ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ (ማ.ስ.ኵ.ተ.ኤ) ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት ንኽውዕል ዝዓለመ’ ዩ ።

ኣካየድቲ ኣካላት ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ከተማ ከለን ወ/ሮ ኣብርሀት ገ/ንጉስ ፡ ወ/ሮ ለተብርሃን ጸጋይን ወ/ሮ ጽገወይኒ ምናሰን መደብ ብዝኽሪ ሰምእታት ብምኽፋትን ፡ መግለጺ 3 ታሕሳስ መዓልቲ ስንኩላንን መደብ ናይታ ዕለት ኣቕረባ። ስዒቡ ኣቶ እድሪስ ዑመር ኣቦ መንበር ማ/ኮም ከለንን ኣቶ እስቲፋኖስ ወልደ ኣቦ መንበር ህ.ግ.ደ.ፍ. ጉጅለ ከተማ ከለንን ንኣብነታዊ ዓላማ ብምምጓስ ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ ብጾቶም ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ከተማ ኮይኖም ኣብ ኩሉ ሃገራዊ መደባተን ንምሕያል ድልዋት ምዃኖም ብሽም ኣባላት ማ/ኮምን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከለንን ናይ ውህደትን ደገፍን መልእኽቲ ኣተሓላልፉ። ብድሕሪዚ ተሳተፍቲ ብዓል ኣብቲ ብኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ማ/ኮምን ህ.ግ.ደ.ፍ. ከለንን ተወደበ ባህላውን ዘመናውን መዘናግዒ መደባት ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ብምውሳእ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብቐጻሊ ኣበርክትኦም ንኸዕዝዙ ድልዋት ምዃኖም ቃል ብምእታው ፤ መደብ መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ተዛዘመ።

ካብ ከተማ ከለን ነዚ ቅዱስ ዓላማ ንምዕባይ ሃ.ማ.ደ.ኤ. ከተማ ከለን ኣብ 2012 ዓ.ም. 800€ ኣብ 2013 ዓ.ም ድማ 1500€ ፡ ካብ ኣባላት ማሕበረኮም ከለንን ከባቢኣን ዝተዋጽኤ ድማ ኣብ 2013 ዓ.ም 2000€ ብመገዲ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራውያን ሽቱትጋርት ንማሕበር ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ (ማ.ስ.ኵ.ተ.ኤ) ተወፍዩ።
ዓወት ንሓፋሽ
ክፍሊ ሓበሬታ ሃ.ማ.ደ.ኤ. ን/ጨ. ከለን

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...