December 19, 2012

መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት፣ ናብ ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ ኣውፈርቲ ገሊጾም።

መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት፣
ናብ ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ ኣውፈርቲ ገሊጾም።

መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት፣  ናብ ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ ኣውፈርቲ ገሊጾም።መንግስቲ ኤርትራ ቍጠባዊ ወፍሪ ንምትብባዕ ኣብ 2ይ ዋዕላ ዝገለጾ ኣብ 2013 ዝትግበር ምትዕርራይ ናይ ፖሊሲ፣ ብቐንዱ ድማ ዘለዎ ድልውነት፣ ናብ ትስፉው ግብራዊ መድረኽ ዘሰጋገር ምዃኑ፣ ክብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ሓቢሮም።

እቶም ካብ 17 ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተቓንዐ 2ይ ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ዝተሳተፉ ዜጋታት፣ እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ – ንወፍሪ ዘተባብዕ፣ ዓይነትን ተኽእሎታትን ወፍሪ ብንጹር ዘረድእ ኣተባባዒ ተበግሶታት፣ ኣብ ምፍጣር ሽቕለት፣ ኣብ ምርግጋእ ዋጋታት፣ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ምርሻድ ሃገራዊ ቊጠባ ዝህልዎ ኣበርክቶ ቀሊል ከምዘይከውን ገሊጾም።

ኣብ ጽላት ቱሪዝም ወፍሪ ከተካይድ ወሲና ምህላዋ ዝሓበረት ወይዘሮ ኣልማዝ ወልዳይን ካብ ሆላንድ ዝመጸ ኣቶ ተወልደ በላይን ንኣገዳስነት’ቲ ዋዕላ ኣመልኪቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ካብ’ዚ ዋዕላ’ዚን ኣብኡ ዝቐረበ ሓሳባትን፣ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ናብ ሓድሽን ኣዝዩ ትስፉውን መድረኽ ይሰጋገር ከምዘሎ ክግንዘቡ ከምዝኸኣሉ ጠቒሶም፣ እዚ ምስ’ቲ ልዑል ናይ ስራሕ ፍናንን ወኒን ዘለዎ ህዝቢ ተደሚሩ፣ ዝጭበጥ ቊጠባዊ ገስጋስ ከምዘመዝግብ ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ጎኒ-ጎኒ’ቲ ንወፍሪ ንምትብባዕ ብመንግስቲ ዝግበረ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ጻዕሪ፣ ኣውፈርቲ’ውን ተራሕዩ ንዘሎ ዕድላት ብግቡእን ሕጋውን መገዲ ክጥቀሙሉን ክሰርሑሉን ከምዝግባእ ዝጠቐሱ – ካብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝመጸ ኣቶ ዓብዱ ሓምድ፣ ካብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣቶ ተስፉ ኣብርሃን፣ ኩሉ ናይ ወፍሪ ዓቕሚን መደብን ዘለዎ ኤርትራዊ፣ ተዋዲዱ ኣብ ዘሎ ምቹእ ባይታ ንወፍሪ ብምስታፍ፣ ንነብሶም ክረብሑን ሃገሮም ከርብሑን እቲ እዋን ከምዝኣኸለ ኣረዲኦም።

ውጽኢት ናይ’ዚ ዋዕላ፣ ንኩሎም ኣውፈርቲ ብሓፈሻ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበረት ነባሪት ኣስመራ ሳራ በረኸት፣ እቲ መንግስቲ ክገብሮ ወሲኑ ዘሎ ለውጢ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለው ኣውፈርቲ ዘድልዮም መሳርሒታት ኣብ እዋኑ ከምጽኡ ዘኽእል ብምዃኑ፣ ኣገዳስን ኣተባባዕን ከምዝኾነ’ያ ሓቢራ።

ኣብ’ዚ ንክልተ መዓልታት ኣብ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ዝተቓንዐ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ፣ 350 ዜጋታት ካብ ወጻኢ፣ 350 ዜጋታት ድማ ካብ ወጻኢ ከምእተሳተፍዎ ይፍለጥ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...