September 14, 2012

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኩሎም ዜጋታት ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ኣብ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂኡ ቀዳምነት ሂቡ ዝጽዕረሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኩሎም ዜጋታት ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ኣብ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂኡ ቀዳምነት ሂቡ ዝጽዕረሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኩሎም ዜጋታት – ብሕልፊ ድማ ቈልዑን መንእሰያትን ሰፊሕ ዕድል ትምህርቲ ተራሕዩሎም፣ ፍልጠት ደሊቦም ገዛእ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ኮነ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምድራኽ ኣድማዒ ኣበርክቶ ከምዝህልዎም ንምግባር፣ ኣብ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂኡ ቀዳምነት ሂቡ ዝጽዕረሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ተመሃሮ ቅድሚ ጸሓይ መስከረም መታን ክበርቁ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ቈልዑን መንእሰያትን ብዛዕባ ነብሶምን ከባቢኦምን ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ ሰኒቖም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንጡፋት ተዋሳእቲን ረባሕቲን ንኪኾኑ ካብ ዘዳልዎም ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሓደ፣ ትምህርቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ምስቶም መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት ከምዝስራዕ ኣመልኪቱ።

ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ካብ ዕድላትን ጸጋታትን ሃገር ምዕሩይ ተጠቃሚ ኪኸውን፣ ብብልሑን መሃዝነቱን ኩሉ መዳያዊ ዕብየት ሃገር ክድርኽ፣ እቲ ቀንዲ ዘድልዮ ዕጥቂ ትምህርቲ ከምዝኾነ ዘነጸረ’ቲ ሓተታ፣ መንግስቲ ወሳኒ ግደ ናይ’ዚ ዕጥቂ’ዚ ብምግንዛብ፣ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ መላእ ሃገር ብምዕሩይነት ንምዝርጋሕን ብዓይነቱ ንምምሕያሽን ካብ ዓመት ንዓመት ዕብየቱ እናተዓጻጸፈ ዝኸይድ ገዚፍ ወፍሪ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም – ብሕልፊ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ብናጻ ዝወሃብ ትምህርቲ ዳርጋ ከምዘየለ፤ ፍልጠት ይኹን ሞያ ብገንዘብ ከምዝዕደግ ብምምልካት ድማ፣ ኣብ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ናጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ ዝህብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ’ኳ እንተሎ፣ ሰበ-ስልጣንን ርኹባት ኣካላት ሕብረተ-ሰብን ንደቆም ኣብ ብሕታውያን ወይ ኣህጉራውያን ኣብያተ-ትምህርቲ እናምሃሩ፣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ከም መውዓሊ ድኻታት ጠሚቶም ቈላሕታ ስለዘይገብሩሉ፣ ብዓይነቱን ደረጃኡን ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብኣንጻር’ዚ ኣብ ኤርትራ፣ ዳርጋ ኩሉ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ መንግስቲ ኮይኑ፣ ገዚፍ ክፋል ካብ ሃገራዊ እቶት እናተመደበሉ፣ ዜጋታት ብናጻ ጥራይ ዘይኮነ ብዓይነቱ ብሉጽ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንክረኽቡ ዕቱብ ጻዕርታት ይካየድ ምህላው፣ መንግስቲ ኤርትራ ንትምህርቲ ሂብዎ ዘሎ ቈላሕታ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ከምዘመልክት ኣነጺሩ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ነዚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ዘተግብሩ – ብቐንዱ መምህራን ብምዃኖም፣ መምህራን መንግስቲን ሕብረተ-ሰብን ዘሰክሞም ሓላፍነት ብትግሃት ክፍጹሙ፤ ብስነ-ምግብርን ህርኲትናን ድማ ንተማሃሮ ኣብነት ኪኾኑ ብምዝኽኻር፣ ተማሃሮ’ውን ተወዳዳሪ ዓቕሚን ብቕዓትን ንኸጥርዩ ብልዑል ሓቦን ተገዳስነትን ክጽዕቱ፣ ወለዲ ድማ ንደቆም እቲ ወትሩ ዘይበርስ ሃብቲ ንምውራስ፣ ንጥፈታት ትምህርቶም ብደቂቕ ኪከታተሉን ኣቓልቦ ደቆም ካብ ትምህርቲ ዝገዝዕ ነገራት ኣብ ምቅላስ ንጡፍ ኣበርክቶ ኪገብሩን ልዑል ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣመልኪቱ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...