February 27, 2014

መንእሰያት ካብ ጎዳእቲ ወልፍታት ርሒቖም ንመጻኢኦም ድልዱል ሰረት ከንጽፉ ዝካየድ ጻዕሪ ክብ ክብል መዘኻኸሪ ቀሪቡ፣

መንእሰያት ካብ ጎዳእቲ ወልፍታት ርሒቖም ንመጻኢኦም ድልዱል ሰረት ከንጽፉ ዝካየድ ጻዕሪ ክብ ክብል መዘኻኸሪ ቀሪቡ፣

መንእሰያት ካብ ጎዳእቲ ወልፍታት ርሒቖም ንመጻኢኦም ድልዱል ሰረት ከንጽፉ ዝካየድ ጻዕሪ ክብ ክብል መዘኻኸሪ ቀሪቡ፣መንእሰያት ካብ ጎዳእቲ ወልፍታት ርሒቖም፡ ጥዕናኦም ብምውሓስን ሞያ ብምጥራይን ንመጻኢኦም ድልዱል ሰረት ንኸንጽፉ ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል፡ ተራ መሻርኽቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ምሕጋዞም ድማ ክብርኽ፡ ንኩነታት ጥዕና መንእሰያት ብዝምልከት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ተሓቢሩ፣

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰለሙን ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ዘተ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ምውዳብ ተመሃሮ መንእሰያት፡ ማሕበራት ድማ ኣብ ምንቃሖም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎም ብምምልካት፡ በብእዋኑ ዝግበር ጎስጓሳት ኣብ ጥዕና መንእሰያት እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ብምህላዉ፡ ተርእዮ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ። መርዓ ትሕቲ ዕድመን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝነከየ፡ ፈጺሙ ንምጥፍኡ ግን ውሁድ ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ፣

ሓላፊ ጎስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋኣለም ምስግና ብወገኑ፡ መንእሰያት ባህርያዊ ለውጢ ንኸምጽኡ ዓቢ ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንመንእሰያት ብመንገዲ ወከልቶም ኣቢሉ ዝድለ ሓበሬታን ትምህርትን ስለዝመሓላለፈሎም፡ ዝካየድ ጐስጓስ ብውህደት ክቕጽል ኣተሓሳሲቡ፣

ኣብቲ ዞባ ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣቶ ሓጎስ ኣድሓና ኣብ ዘስመዖ መዕጸዊ ቃል፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ምጒስጓስ ተመሃሮ ንዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታትን ሓገዛትን ብምምስጋን፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ቈይመን ዘለዋ ክለባት ብዘካይድኦ ጎስጓስ፡ ብተመሃሮ መንእሰያት ዝካየድ ልግሲ ደም እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ እወታዊ ለውጢ ምዃኑ ኣረዲኡ፣

እቲ ዘተ፡ ጉጅለ ቀያሕቲ ዕንባባ ሚኒስትሪ ትምህርቲን ሃማመተኤን ብዘዳለውኦ መሰናድኦ ተሰንዩ ነይሩ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ. *****

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...