May 23, 2013

መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጀርመን፣ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት እጃሞም ንምብራካት ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጀርመን፣
ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት
እጃሞም ንምብራካት ድልዋት
ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጀርመን፣ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት እጃሞም ንምብራካት ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጀርመን፣ ጥርናፈኦምን ውዳቤኦምን ብምሕያል ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት እጃሞም ንምብርካት ድልዋት ምህላዎም፣ ኣብ ዘካየድዎ ገምጋማዊ ኣኼባ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ን9ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ንምግምጋምን ውጥን ስርሕ ንምውጻእን ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብደረጃ ጀርመን ንዝካየድ ናይ መኸተ ንጥፈታትን ሃገራዊ ምትእኽኻባትን ብኣድማዕነት ንምምራሕ ዓቕሚታቶም ብምውህሃድ ንዝጀመርዎ ስርሓት ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣብሪሆም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ወከልቲ ኤርትራውያን ውዳቤታትን ኮማትን ተረኺቦም፣ ኣብ ምድልዳል ውዳቤ መንእሰያት፣ ምውርራስን ምፍራይ ተካእቲ ወለዶታትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ኣገዳሲ መንእሰይ ጠቀስ ጉዳያት ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፣ ብመሰረት ተልእኾን ውሳነታትን 9ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ መደብ ስራሕ 2013/2014ን ውጥን ትግባረን ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ኣብ ካልኣይ ክፍላ ናይ’ዚ ዓመት ብደረጃ ጀርመን ኣኼባ ንምውዳብ ወሲኖም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Senior delegation held talks with Rwandan...

Senior delegation attends sworn in ceremony of...

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada