March 24, 2013

መበል 12 ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ “መጽሓፈይ መሓዛይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኸፊቱ።

መበል 12 ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ
“መጽሓፈይ መሓዛይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኸፊቱ።

መበል 12 ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራ፣ “መጽሓፈይ መሓዛይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ22 መጋቢት ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም መሪቑ ከፊትዎ።

ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ መደብ ኣቶ ይስሓቅ ዮሴፍ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ምርኢት ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት ብዝተኻየደ ጻዕሪ ርኡይ ምዕባለ የመዝግብ ምህላዉ፤ ናይ ሎሚ ዓመት ጽፉፍ ውዳበ ድማ ነዚ ዘነጽር ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ክቐረብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 31 መጋቢት ዝጸንሕ መደብ፣ ካብ ህጻናት ክሳብ ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘገልግል ምጽሓፍቲን ካልእ ፍርያት ሕትመትን ንምርኢት ቀሪቡ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ‘ዕላል መጽሓፍ’ ምስ ተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ፣ ከምኡ’ውን ኣስተምህሮ ብዛዕባ ዲጅታላዊ ላይብረሪን ውድድር ተማሃሮን ተዳልዩ ከምዘሎ፣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ካብ ተሳተፍቲ መምህር ቴድሮስ ኣብርሃ፣ ብዙሓት ንተማሃሮ ዘገድሱ ሓያሎ መጻሕፍቲ ተዳልዮም ከምዘለዉ ጠቒሱ፣ እቲ መደብ ብቐንዱ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘለዎ ተራ ብቐሊል ስለዘይጥመት፣ ተማሃሮ ንኽበጽሕዎ ተራ ወለዲ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

“እዚ መደብ’ዚ ንደረስቲ ኣዝዩ ዘተባብዕን ዘበራብርን’ዩ” ዝበለ ኣቶ ሃብቶም ብርሃነ ድማ፣ መጻሕፍቲ ጽሒፍካ ወይ ደሪስካ ከምዚ ዓይነት ባይታ ረኺብካ ንህዝቢ ከተላልዮ ከለኻ ዝህልዎ ረብሓ ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ’ዚ ምርኢት’ዚ ቀሪቡ ዘሎ መጽሓፍቲ፣ ካብ’ቲ ዋጋኡ 20 ሚእታዊት ጐዲሉ ንህዝቢ ክሽየጥ ምዃኑ ተፈሊጡ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...