September 26, 2012

“መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ!”

“መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ!”

ስትራተጂ ሃገራዊ መርሓ ኤርትራ፡ ልምዓት፡ ዕብየት፡ ራህዋ፡ ቅሳነት ምርግጋጽ’ዩ። ነባሪ ልምዓት፡ ነባሪ ዕብየት፡ ነባሪ ራህዋ፡ ነባሪ ቅሳነት፡ ስለ’ዚ ድማ ርጉእ ሃገራዊ ድሕነት ዝረጋገጽ፡ ብንጹር ራእዪ፣ ነዚ ራእዪ ዜጨብጥ ግብራዊ ውጥናት፡ ናይ ትግባረ ስትራተጂ፣ ናይ ልምዓት ፕሮግራማት፡ ሕጋውን ስነ-ምግባራውን ድስፕሊን’ዩ።

ባይታን ሃዋህውን ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂ፡ ኣብ ብቑዕ ትሕተ-ቅርጺ ሰፊሕ ዝዝርግሐኡ ጽርግያታትን መስመር ባቡርን፡ ሕርሻውን ኢንዱስትርያውን ዝስተን ስርዓተ-ማይ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ርኽክብ፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ወዘተ..ዝተሰረተ’ዩ። ንኹሎም’ዞም ዝተጠቕሱን ዘይተጠቕሱን ገስጋስ ቀለቤት ኮይኑ ዜተኣሳስርን ማእገር ኮይኑ ዝጸውርን ወሳኒ ረቛሒ ድማ መሬት’ዩ።

• ብመሰረት ኣዋጅ መሬት ቍጽሪ 58/94፡ መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ። ብመሰረት ዓንቀጽ 3.2 ኣዋጅ ቍጽሪ 58/94፡ “ዝኾነ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝህሉ መሰል ብኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ጥራይ ሕጋውነቱ ይረጋገጽ። ብሕጊ ኣብ ዝውሰነሉ መዝገብ መሬት ድማ ይምዝገብ።’’ ብመሰረት ዓንቀጽ 3.4 ድማ፡ “መንግስቲ መሬት ኣብ ዝህበሉ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡን ኣተሓሕዛኡን ቅድመ-ኩነትን ረቛሒታትን ክገብር ግዴታ ኣለዎ።’’
• መንግስቲ ንህዝቢ ወኪሉ መሬት የመሓድር የነባብር። መሬት ንኤርትራዊ ሓመድን እምንን ማለት ኣይኮነን። ንሓደ ኤርትራዊ መሬት ማለት ቀጻልነት መንነትን ህላወን’ዩ። መሬት ዘይፋሓቕ – ዘይሕከኽ ዜግነታዊ መሰል’ዩ። ስድራ ኣብ ቤት፡ ሕብረተሰብ ኣብ መሬት፡ መሬት ኣብ ሃገር ተፈቲሉ ዝቐውም ማሕበራዊ ማእለማ’ዩ። ስለ’ዚ ሕቶ መሬት ሌጣ ብመሬቱ ከይተራእየ ኣብ ገዚፍ መቓን ሃገራዊ ፖሊስታት፡ ስትራተጂን፡ ፕሮግራማትን ተሰዂዑ ክርአን ክትንተንን ይግባእ።
• ዝጸንሐ ናይ መሬት ኣተዓዳድላ፡ ሃገራዊ ጥዕና ዘይህብ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይ ጥሻ ይኹን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዕደላ መሬት መስርዑ ዘይሓዘ፡ ሕጋውነት ዝጠሓሰ፡ ብገለ ሸነኹ ነቲ ዝወሓደን ዘለዎን ዘገልግል፡ ነቲ ዝበዝሐን ዘይብሉን ድማ ዘየረብሕ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ፡ እዞም ዝስዕቡ “ይኣክል” ክበሃሉ ዝግባእ ሳዕቤናት ከኸትል ጸኒሑ።
“ይኣክል”

ሀ. ቁጠባዊ ሸርሒ፡ ምንሃር ዋጋታት ብዘይካ’ቲ ስሱዕ ዕላማኡ፡ ኤርትራ ቍጠባዊ ርግኣት ከምዘይህልዋ – ብኡኡ ኣቢሉ ድማ፡ ህዝብን መንግስትን ም’ንኻፍ ዝብል ብደገ ዝዝወር ዕላማ ዝሓዘ ቍጠባዊ ሸርሒ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጦ ይግባእ። ብሸርሕታት ዝቃነ ደሃይ ዋጋታት ኮነ ኢልካ ዝፍጠሩ ናይ ዕዳጋታት ዝቕባበን ናይ ዋጋታት ምንሃርን ክኽሰቱ ጸኒሖም’ዮም። መንግስቲ ህዝቢ ንኸይጉዳእ ኣዝዩ ገዚፍ ወጻኢታት እናገበረ ናይ መግቢ፡ መጓዓዝያ፡ ነዳዲ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ…ወዘተ ድጐማ፡ ንገሊኡ ድማ ብዘይክፍሊት እናመጠወ፡ ነዚ ድጐማ’ዚ ኣኳሊምካ – በቋራጭ – ብስም ስፔዛ፡ መሬት፡ ክራይ ገዛ፡ ክራይ መካይንን ጀላቡን፡ ኣቕሑ መሸጣ፡ ኣገልግሎታት…. ህዝቢ ዝጕይሕ ክልተ ዝብልሑ መጋዝ ቍጠባዊ ሸርሒ’ዩ ጸኒሑ። እናኸደ ድጐማ መንግስቲ ዝምንዝዕ፡ እናተመልሰ ናብራ ህዝቢ ዝጐድእ ምዝመዛ!!
ለ. ናይ ምቅብባል ዕዳጋ፡ ዋጋታት ኣባይትን መሬትን ናይ ኢንዱስትሪን ሕርሻታትን ሰፋሕቲ መሬት (ብሚእትታት ሄክታር ዝቑጸር) ብዋናታትን ሕግን መንግስትን ዘይኮነ፡ ብምቅብባልን ኣቋራጫትን ስለዝእዘዝ፡ ናይ ጠፈር ዕዳጋ ማዕቢሉ፡ መሬትን ኣባይትን ናብ ውሑዳት ዘዅድዱሉ ዓውዲ ዕንደራ ተቐዪሩ’ሎ።
ሐ. ብከላ (ብልሽውና)፡ ኣብ ዋንነት መሬት ምውቓዕ፡ ኣብ ዕደላ ሄክታራት ምጉናዕ፡ ኣብ ምስግጋር ብውክልና፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተሃንጸ ምስ መሬት ሓዊስካ ምሻጥ፡ ወዘተ.. ብዘይሕጋውነት ስለዝፍጸም፡ ነዚ ካብ ሕጊ ዝወጸ ኣገባብ ንምምኽናይ፡ ሕጊ ረጊጹ ዓመጽ ዜንግስ፡ ሓቂ ዓምጺጹ ውስልትና ዜውሕስ፡ ሃብቲ ህዝቢ ዝዘምት፡ ምርግጋእን ጸጥታን ሃገር ዝዘርግ፡ ብልሽውና ክተኣታቶ ጸኒሑ። ብልሽውና ኣብ 3 እግሪ ዝቐውም ጉልሻ ብከላ’ዩ። ዝቕበል፡ ዜቐብል፡ ብስቕታ ዝርኢ።
መ. ሓደ ኣፍራዪ 30 ደላሎ፡- ዕዳጋታት መሬት ዝበዝሕ ግዜ “ኣውፈርቲ” ዝበሃሉ ሰብ ሃብቲ ወጻእተኛታት፡ ኣዋቓዕቲ ዝነጥፍሉ ኣሰራርሓ ስለዘማዕበለ ሓደ ኣፍራዪ – 30 ደላሎ ዝጓየዩሉ፡ ባህሊ ዕዮን ዓያይነትን ዝብርዝ፡ ከይሰራሕካ፡ ብሳምቦ-ሳምቦ እናቀባበልካ ዜሀብትም፡መንገዲ ዓመጽን ኣቋራጭን ዜስርጽ ባህሊ ም-ም’ጻእ ኣማዕቢሉ።
ሰ. መሕጸቢ ረሳሕ ገንዘብ፡ ካበይ መጺኡ ዘይፍለጥ (መብዛሕትኡ ግዜ ዘይሕጋውን ገበነኛን መንገዲ ተኸቲሉ ዝመጸ) ገንዘብ፡ በቲ ሓደ ወገን ተሓጺቡ ብንብረት መታን “ክነጽህ”፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ዓይነት ተቐዪሩ ኣብ “ሕጊ’’ ዘይሕጊ መታን ክዕቈብ፡ መሬትን ካልእ ንብረትን መሕጸቢ ረሳሕ ገንዘብ ኮይኑ ኬገልግል ይረአ ኣሎ።
ሸ. ቅድም ንዝኸደ፡ ሽሕ’ኳ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ሃገራውነቱ ዘየጥፍእ ዜጋ እንተኾነ፡ ሃገር ራሕሪሖም፡ ሕድሪ ረጊጾም ዝኸዱ፡ ቅድሚ’ቲ ከርተት ዝብል ዘሎን ዓዱ ዘይገደፈን ጽኑዕ ክስርዑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋጋታት ዜነሃህሩን ሕማቕ ኣብነት ክተኽሉን ጸኒሖም ኣለዉ።
ረ. ተጻይ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ማእከላይ መስፈሪ ፓሊስኡ፡ ንኩሉ ዜሳትፍን ዜርብሕን ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐ፡ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባን ዕሩይ ዝርግሐ ሃገራዊ ሃብትን ምምሕያሽ መነባብሮ ናይ’ቲ ዝበዝሐ ህዝቢን’ዩ። ዝጸንሐ ናይ መሬት ዕደላን ናይ ኣባይትን ክራይን ዋጋታትን ግን፡ ናብ ኣዚዮም ውሑዳት ዝህብትሙሉ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝጉድኣሉ መንገዲ ዘምርሕ ኣገባብ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ቀ. ምሕካል ካብ ስርዓተ ግብርን ቀረጽን፡ ብምውቕቓዕን ምስግጋርን ዓመጽን መሬት ኮነ ኣባይቲ ተዘሚቱ ከይኣክል፡ እቲ ገባቲ፡ ካብ ንመንግስቲ ዝግባእ ቀረጽን ግብርን’ውን ብተመሳሳሊ ናይ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ኣገባብ ብምሕካል፡ ግብሪ ከይተኸፍለ፡ ዝግባእ ናይ ምስግጋር ሕግታት ከይተኸብረ፡ ብድርብ ብልሒ ክጉይሕ ጸኒሑ’ሎ። “ነጋዶና ግቡኦም ስለዝፈልጡ ባዕሎም ግብሮም ክኸፍሉ’ዮም” ዝብል ናይ ቀባሮ ዘረባ ድማ፡ ነቶም ሓከልቲ ዝያዳ ኣተባቢዕዎም’ዩ።
በ. ድኹም ምሕደራ ምምሕዳራትን ባንክታትን – ብቑዕ ምምሕዳር፡ ጽኑዕ ምክትታል፡ ንጹር ሕጊ፡ ካብ ብከላ ዝነጽሀ ኣካዪዳ፡ ውዳበን ስርዓትን ምምሕዳራት ኣይጸንሐን። ብወገን ባንክታት’ውን ንመን? ስለምንታይ? በየናይ ርትዓውነት? ልቓሕ ይወሃብ..ፍትሓዊ ኣካዪዳ ኣይጸንሐን።
ድሕሪ “ይኣክል” ዝመጽእ ፍታሕ’ዩ!

1. ዕሩይን ምዕሩይን ዕድላት፡ – ድሕነት ሃገር ምውሓስ ማለት፡ ናይ ዜግነት (citizen ship) መሰላትን ዕድላትን ምርግጋጽ ማለት’ዩ። ዓንደ ሰረት-እምነት ሃገር ድማ፡ ናይ ሓባር ዕብየት ዘረጋግጽ መሰረት ምውሓስ’ዩ። ኣብ ዋንነት መሬት ይኹን ካልኦት መሰላት፡ ውሑዳት ጥራይ ዕድል ዝምንዝዕሉ ዝበዝሑ ዝህመሽሉ ከይዲ፡ ግዝያውን ናይ ላዕሊ-ላዕሊ ምብልጭላጭን ብዘይካ ምዃኑ ንሓዋሩ ናብ ሰለሎ ቊጠባዊ ድኻምን ነውጽን ዘምርሕ ኮይኑ ምስ ፈሰሰ፡ ክሕፈስ ዘይክእል’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኣብ እንኮን ፍታሓውን መኣዲ ማሕበራዊ ፍትሒ ምዕሩይ ዕድል ከምዝህልዎ በዚ መንገዲ ድማ ድሕነት ሃገር ኣብ መሰል ዜግነት ከምዝውሓስ ምርግጋጽ።
2. ጥሻ ዜግነታዊ መሰል ስድራቤታት፡ ጥሻ ዝወስዳ ስድራ-ቤታት፡ ኣባይቲ ንምህናጽ ሕጽረት ገንዘብ ምስ ዜጋጥመን፡ መንግስቲ መስመር ልቓሕ ክኸፍት፡ ዕዳአን ዝመልሳሉ ሃዋህው ከጣጥሕ ኢዩ። ብሓባርን ንናይ ሓባርን ረብሓ ክኸውን ድማ ብደቨሎፐርስ ብደረጃ ዓዲ ክህነጽ ይከኣል።
3. ምርግጋጽ ብቑዕ ምሕደራ፡ ብቑዕ ምሕደራ ክበሃል ከሎ፡ እቲ ሕቶ ናይ ሰባት ምሕማቕን ምህብራምን ሕቶ ኣይኮነን። ምምሕዳራዊ ብቕዓት ማለት፡ ምህናጽ ትካላዊ ብቕዓት ማለት’ዩ። ህዝባዊ ሓላፍነት ዝኸበደ ሓላፍነት’ዩ። ንዕኡ ዝጸውር ትካላዊ ብቕዓት ድማ ዘይስገር ቅድመ-ኩነት’ዩ። ዝለዓለ ጫፍ ዝሕዝ ናይ ስርዓተ-ሓበሬታ ማእከል ቀንዲ መትኑ ዝገበረ፡ ብስትራተጂያዊ ውጥን ዝምራሕ፡ ዝርዝር ናይ ትግባረ፡ ምክትታል፡ ምቍጽጻርን ገምጋምን ኣሊያ ዘለዎ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈታዊ ቅርጺ ዘይኮነ፡ ኣብ ሞያዊ ድንፍዐ ዘተኰረ፡ ደማዒ፡ ብቑዕ፡ ጽሩይ፡ ቅርጥው ውዳቤ ዝሓዘ ኪኸውን ይግባእ።
4. ምእዋጅ ኲናት ጸረ-ብልሽውና፡ ኣብ ጉዳይ መሬትይኹን ዕደላን ልቓሕን ወዘተ… ዘሎ ብሓፈሻ’ውን ኣብ መላእ ሃገር ዝርአ ብልሽውና፡ እቲ ርስሓት ብኣግኡን ብቐጻሊን ‘ተዘይተሓጺቡ፡ ምስ ተጐረ ዝግበር ናይ ሕላፍ ሰዓት ምፍሕፋሕ ዝመላልጥ እምበር ዝፍውስ ክኸውን ስለዘይክእል፡ ብልሽውና ጽኑዕ መውረርያ ክግበረሉን፡ ዝውሰድ ስጉምቲ ንኻልኦት ኣብነት ዝህብ፡ ሓያልን ሓያቢን ክኸውን ይግባእ።
5. ብቑዕ ስርዓተ-ምእካብ ግብርን ቀረጽን፡ ቀረጽን ግብርን ዝእክብ ዜድምዕ ትካላዊ ብቕዓት ክህነጽ፡ ቀረጽን ግብርን ዘይምኽፋል፡ ካብ ዓበይቲ ነውርታት ተወሲዱ ካብ ግብሪ መንግስቲ ዝሕክሉ፡ መሰሎም ዝሓቱ ግብኦም ዘየማልኡ፡ ማዕረ በደሎም ዝኸይድ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ።
6. ግራት ብደረት፡ ቤት ብሰረት፡ዓዲ ብዓዲ ከተማ ብኸተማ ዞባ ብዞባ፡ ተጠቃምነት መሬት ብዝርዝራዊ መስርሕን ፍቓድን ምስናይ ምሉእ ምዝገባ ኮይኑ ክስራሓሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተዓደለ መሬት ግቡእ ምጽራይ ብምግባር፡ ናይ ነብስ-ወከፍ ተዓዲሉ ዘሎ ጥሻ ጽጹይ ሓበሬታ ክእከብ፡ ኩነታቱ ክሳብ ዝረጋገጽ ድማ ውንዙፍ-ኩነት (valueless) ኮይኑ ክጸንሐ፣ ንወፍሪ እናተባህለ ኣበየ ከባቢኡ ደረት-ኣልቦ መሬት ተዋሂቡ ዘሎ ይኹን ካብ ጽጉማት ዝተወስደ መሬት ዝግባእ ምጽራይ ክግበረሉን ናብ ዋናታቱ ክምለስን ይግባእ።
7. ዝግባእ ሞሳ ነቲ ዝግብኦ ሰብ፡ ዘበርከተ፡ ነባርን ዘተኣማምንን ሞሳ ክረክብ፡ ለውሃት ወይ ልግሲ ዘይኮነ፡መሰል’ዩ። ኣብ ፈታኒ እዋን ኩሉ ዕድላቱ ሰዊኡ ንሃገር ዘበርከተ፡ ሓለፋ መሰል ኣለዎ። ‘‘ሃገርን ህዝብን ከይውጻዕ” ኢሉ ነብሱ እናወጸዐ፡ ሕሰም ዝተቐበለ ዜጋ፡ ኣብ መሬት፡ መንበሪ፡ ካልእ ንደቁ ዝኸውን ኣገልግሎታት መድረኽ ብመድረኽ፡ ቀዳምነት ክስራዕ’ዩ። መሬት ነቲ ዘይጠለማ ክትከውን ሕጋውን ሕልናውን መሰል ስለዝኾነ!መንግስቲ ኣብ መሬት ክግበር ዝጸንሐ በደላት፡ ምውቓዕ ዋንነት፡ ምስግጋር ብዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ መሸጣ፡ “ይኣክል” ብምባል፡ ንዝጸንሐ ግጉይ መንገዲ ዜመዓራሪ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ተሓታትነት ኣለዎ። ናይ መላእ ህዝቢ ተሓታትነት፡ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ መጻእቲ ወለዶታት ተሓታትነት፡ ብዓቢኡ ድማ ሕድሪ ናይ’ቶም እዛ መሬት፡ መሬት ኩሉ ዜጋ ክትከውን ዝወደቑ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰማእት!

ርእሰ-ዓንቀጽ ሓዳስ ኤርትራ 25 መስከረም 2012 – ገጽ 2 “
…………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...