July 5, 2012

ሕላገት ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ንሃገርን ሃገራውነትን ዘቐድም ብሉጽ ክብርታት ምዃኑ ተገሊጹ።

ሕላገት ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ንሃገርን ሃገራውነትን ዘቐድም ብሉጽ ክብርታት ምዃኑ ተገሊጹ።

ሕላገት ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ንሃገርን ሃገራውነትን ዘቐድም፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዋሕዙ ዘየቋርጽ ብሉጽ ክብሪታትን ሰንሰለታዊ ታሪኽን ምዃኑ፣ ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሱልጣን ስዒድ ገሊጹ።

ብምኽንያት ሓምሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ኣቶ ሱልጣን፣ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብሉጽ ሃገራዊ ክብርታት ዓጢቑ፣ ወሎዶታት ዝሕበኑላ – ሓያል፣ ስምርቲን ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ ብዝለዓለ ይጽዕት ከምዘሎ ኣብሪሁ።

“ኤርትራ፣ ኩነተ-ኣእምሮኡ ምስ ክውንነት ዘመዓራሪ ንቑሕ መንእሰይ እትውንን ዕድለኛ ሃገር’ያ” ዝበለ ኣቶ ሱልጣን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋንን ቍጠባዊ ሓርነት ንምርግጋጽን፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ይኸፍል ከምዘሎ፤ ኣብ’የ ዓውዱ ዝምዝገብ ዘሎ ዓወት ድማ ናቱ ውጽኢት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ርዝነት ዝተኸፍለ መስዋእትን ዕድላትን ዝርዳእ ብምዃኑ ብድሆታቱ ምስ ምርጫታቱ ኣሳንዩ ክኸይድ ከምዘይጽገም ዘመልከተ ኣቶ ሱልጣን፣ “ተነጺፉ ዘሎ ድልዱልን ዘተኣማምንን ባይታ ምዕባለ፣ ንድምር ውጽኢት ኣበርክቶኡ ዘጕልሕ’ዩ” ክብል ኣነጺሩ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሱልጣን ስዒድ ኣብ መወዳእታ፣ ዛንታ ኤርትራ ዛንታ መንእሰይ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ “ኤርትራ፣ ኩለንትናዊ ክብራ ዓቂቡ፣ ዘልምዕ፣ ዝሃንጽ፣ ከምኡ’ውን ታሪኽ ዝሰርሕን ዘሰጋግርን ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከመ መንእሰይ ስለዘለዋ፣ መጻኢኣ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ” ክብል ኣስሚሩሉ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Joint Press Statement between Somalia and Eritrea

President Isaias departs for working visit to...

President Isaias holds talks with Vice Foreign...

President Isaias met and held talks with US...

Eritrean community festival in Riyadh

More diplomatic activities by Eritrean nationals...