January 14, 2021

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 14 ጥሪ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 209 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ። ካብ’ዚኦም፡ 41 ኣብ ዞባ ማእከል ማለት 36 ኣብ መወሸቢ ማእከላት 5 ድማ ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ኣስመራ፣ 32 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሻምብቆ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ 136 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ ማለት 78 ኣብ ሰንዓፈ፡ 14 ኣብ ዑበል፡ 13 ኣብ ማይ-ድማ፡ 12 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 7 ኣብ ማይ-ምነ፡ 5 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 4 ኣብ እንዳገርግስ፡ 2 ኣብ መንደፈራ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ዓዲ-ዀተዮ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 78 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 80 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 1805 በጺሑ’ሎ። 1014 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 6 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 785 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
14 ጥሪ 2021

Eritrea’s delegation in Sudan

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Highlights of Interview with President Isaias...

Official Commemoration of the 31st anniversary of...

Geothermal Energy in Eritrea

Women in Health care